Tuesday , June 25 2024
Credit: Ali Lorestani/TT; Pressbild/Visita

ሽወደን በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ምስሓብ ካብ ጎረባብቲ ኖርዲክ ድሕሪት ትተርፍ

ሽወደን በጻሕቲ ንምስሓብን ምስላ ንምሻጥን ዝወሓደ ወፍሪ እትገብር ሃገር እያ ተባሂሉ። ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን
ንቱሪዝምን ጉዕዞን ኣመልኪቱ ምስ ካልኦት ቦታታት ኣብ ዝገበሮ ንጽጽር ባጀት ቱሪዝም፡ ኖርወይን ፊንላንድን ዓሚ ን ቱሪዝም
ዝገብርዎ ፈሰስ ካብ ናይ ሽወደን ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ፡ ንዴንማርክ ድማ እቲ ድምር ካብኡ ዝለዓለ ምዃኑ ተሓቢሩ።
“ሃገራና ሰሓቢት እናሃለወት ኣብ ባጀት መንግስቲ ንቱሪዝም ዝግበር ፈሰስ ኣዝዩ ውሑድ እዩ” ክብል ኣብ ኢንዱስትሪ ምቕባል
ኣጋይሽ ሽወደን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቪሲታ፡ ዮናስ ሲልጃማር ይገልጽ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com