Tuesday , June 25 2024
Credit: Ulla Engberg/Sveriges Radio and Jessica Gow/TT

ንምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ብኣግኡ ዘድምጹ እናወሰኸ ይመጹ

ኣብ ሽወደን ሰባት ኣቐድም ኣቢሎም ክመርጹ ይደልዩ ምህላዎም፥ ድሮ ኸኣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ምርጫ ሕብረት
ኤውሮጳ ድምጾም ምሃቦም ተፈሊጡ፡፡ ኣብተን ቀዳሞት 12 መዓልታት ኣቐዲሞም ድምጾም ብ ምሃብ ምስ ናይ ዓሚ ምርጫ
ኤውሮጳ ብምንጽጻር ብውሑዱ 32% ዝያዳ ሰባት ድሮ ኣድሚጾም ኣለዉ። ዋና ኣካያዲት ስራሕ በዓል መዚ ምርጫ ሽወደን ኣና
ኒክቪስት፡ ሰባት ብመገሻ ክኸዱ ወይ ድማ ኣብ ቤቶም ዘሕልፍዎ ግዜ ከይጎናደብን ካልእን ምኽንያታት ብምጥቃስ እዮም ኣብዚ
ምርጫ ኣቐዲሞም ክሳተፉ ወሲኖም ዘለዉ። ሓንቲ ካብተን ብኣግኡ ድምጺ ክህባ ዝመረጻ ሴሲልያ ብሎምበርግ ካብ ስቶክሆልም
ኮይና ”ሰንበት ክትገይሽ ብምዃና” ነዚ ምትግባራ እያ ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com