![](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2024/04/86b65465-5e20-4767-8029-d1eee2323911.webp)
Credit: Tom Samuelsson / Regeringskansliet/TT Nyhetsbyrån
48% መረጽቲ መንግስቲ ጽቡቕ ወይ ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ግምት ከም ዘለዎም ተገሊጹ፡፡ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ ክነጻጸር እንከሎ ብ7% ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑ ትካል ኢንዲካተር ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። “መረጽቲ ብዛዕባ ቁጠባን ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶን ዝያዳ ትስፉዋት እዮም” ክብል ሓላፊ ርእይቶ ኢንዲካተር ፐር ኦለስኮግ ትሪግቫሶን ይገልጽ።