Sunday , June 16 2024
Credit: Reuters

ሓማስ ኣብ ማእከላይ እስራኤል መጥቃዕቲ ሮኬት ኣካዪዱ

ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ካብ ዝርከብ ከባቢ ራፋሕ ብውሕዱ ሸሞንተ ሮኬታት ከምዝተወንጨፉ ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ። ሓያሎ
ካብዚኣቶም ሸቶኦም ከይወቕዑ ከም ዝመኸኑን ዞነ መጒዳእታ ከም ዘይበጽሐን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ መጥቃዕቲ –
ሓማስ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ዞባ እስራኤል ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጽም ድሕሪ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን እዩ።
እስራኤል ኣብ ራፋሕ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ እተካይድሉ ዘላ እዋን እዩ እዚ መጥቃዕቲ ሓማስ ተፈጺሙ። እዚ ድማ ነቲ
ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ውሳነ ዝጥሕስ እዩ ክትብል እስራኤል ከሲሳ’ላ። ኣብ መንጎ እስራኤልን
ሓማስን ዝካየድ ተወሳኺ ልዝብ ተኹሲ ደው ምባል ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዳግማይ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።
ሓማስ ነዚ መጥቃዕቲ ዘካየደሉ ምኽንያት ቅድሚቲ ልዝብ ሓይሉ ከርኢ ወይ ድማ ነቲ ልዝብ ንምብርዓን ዝፈጸሞ ክኸውን ከም
ዝኽእል ተንተንቲ ማእከላይ ምብራቕ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ቁጠባዊ ማእከል እስራኤል – ንመወዳእታ ግዜ ኣብ
ወርሒ ጥሪ ካብ ዝጥቃዕ ንደሓር፡ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ ነይሩ እዩ። ኣብ ተልኣቪቭ፡ ሄርዝልያን ፔታ ቲክቫን ሓዊሱ ኣብ ከተማታት
ዝተራእየ መጠንቀቕታ ደወል ደብዳብ ሳይረን ሓማስ ኣብ መላእ እስራኤል ንዝርከቡ ሰባት ዘስዕቦ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል
ዘጠንቅቕ እዩ ። ብማዕከናት ዜና እስራኤል ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣብ ሄርዝልያን ማእከላይ ከተማ ክፋር ሳባን ኣብ ልዕሊ ህንጻታት
ብሮኬት ዝወረደ ዕንወት ኣርእዩ’ሎ።
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብርጌዳት “ዒዘዲን ኣልቃሳም”፡ እቲ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ "ንጭፍጨፋ ሲቪላት ቓዛ" ምላሽ ንምሃብ
ዝተገብረ ምዃኑ ገሊጹ። ሓማስ እቲ መጥቃዕቲ ካብታ ኣብ ራፋሕ ጥቓ ሆስፒታል ኩዌት ውግእ ከምዝተራእየት ዘመልክት ብዛዕባ

ምዃኑ ዝበሎ ነገር የለን። ማዕከናት ዜና ፍልስጤም ኣብ ማእከላይ ራፋሕ ኣብ ዝርከብ መንበሪ እስራኤል ብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ
ነፈርቲ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ምቚሳሎም ሓቢረን ኣለዋ።
እስራኤል ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ መጥቃዕታ ዝጀመረት ኮይና፡ ቦጦሎኒታት ሓማስ እየን ንዝበለተን
ከተጥፍኦ ምዃና ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ። ልዕሊ 800 ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብታ ደቡባዊት ከተማ ከምዝሃደሙ ቢቢሲ ን ውድብ
ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com