Sunday , April 28 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሩስያ ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ንኸይካየድ ዝጽውዕ እማመ ውዱቕ ትገብሮ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፥ ኩለን ሃገራት ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ኸይካየዳ ንዝጽውዕ እማመ፥ ሩስያ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ ስልጣና ብምጥቃም ውዱቕ ጌራቶ። እቲ ብኣሜሪካን ጃፓንን ዝቐረበ ንድፊ ውሳኔ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ውዕል ጠፈር 1967 ዝተነብረ መትከል ዳግማይ ከረጋግጽ ዝዓለመ እዩ። ሩስያ ኣብ ጠፈር ዝተመርኮሰ ጸረ ሳተላይት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተማዕብል ምህላዋ ኣመሪካ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ’ላ። ሩስያ ነቲ ዝጸንሐ ውዕል ብጽኑዕ ከም እትስዕቦ” …

Read More »

ፊንላንድ፥ መንግስቲ ንጥዕና ኣመልኪቱ ዘውጽኦ እማመታት ሰፊሕ ስክፍታታት የለዓዕል

ኣብ ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL) ፕሮፌሰር መጽናዕቲታት ኢልሞ ኬስኪምኪ፡ ኣብ ሓደስቲ መንግስታዊ እማመታት ዝተራእየ ምጒዳል ምወላ ክንክን ጥዕና ስክፍታ ምፍጣሩ ገሊጹ። “እዚ እማመ ዘድሊ ፍተሻ ዝተገብረሎም ኣይመስሉን” ክብል ትማሊ ረቡዕ ኣብ YLE A-studio ገሊጹ። ኬስኪማኪ፡ ገለ መዳያት ናይቲ እማመታት፡ መንግስቲ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝወሰነ ኣጸቢቑ ከም ዘይተገንዘበ ዝሕብር ኮይኑ፡ ነቲ “ምስ ስነ- ጽባቐ ዝምደብ ፕላስቲክ መጥባሕቲ” ካብ ፍሉይ …

Read More »

ኔታንያሁ፥ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብኣመሪካ ዝግበር ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዝነጽጎ ገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤላዊ ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዝግበር ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዝነጽጎ ገሊጹ። ኔታንያሁ ነዚ ዝገለጸ ኣሜሪካ ናብ ሓደ ኣሃዱ ዝፍኖ ሓገዝ ክትቆርጽ መደብ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ትማል ሰንበት ነዚ ብምሉእ ሓይሉ ክቃለሶ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣቐዲሙ’ውን መርበብ ሓበሬታ ኣክሲዮስ፡ ኣመሪካ ኣብ’ቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ ብዝብል ምኽንያት፡ …

Read More »

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ካብ 50 ሽሕ ይሓልፍ

ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራዊ ሩስያ ቊጽሮም 50 ሽሕ ምሕላፉ ቢቢሲ መርትዖታት ምርካባ ገሊጻ። ብፍላይ ድማ ዓሚ ሞስኮ እተኸተለቶ ወተህደራዊ ስትራቴጂ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብኣስታት 25% ዝለዓለ ዝለዓለ ዋጋ ከም ዘኽፈላ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። ቢቢሲ ሩስያ፣ ናጻ ጉጅለ ሚድያ ሚድያዞናን ወለንተኛታትን ካብ ለካቲት 2022 ጀሚሮም ቊጽሪ ምዉታት ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ምቚጻር ክነጥፉ ምጽንሖም ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ መካነ መቓብር ዝተረኽበ ሓበሬታ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ኮኾብ ሲነማ ህንዲ ሳልማን ኻን ፈተነ ቕትለት ተኻዪዱ

ፖሊስ ህንዲ፡ ን መንበሪ ኮኾብ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ሳልማን ካን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብረት ፈጺሞም ዝበልዎም ክልተ ኣባላት ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ኣብ ልዕሊ 100 ፊልምታት ዝተዋስአን ቅድሚ 20 ዓመታት ክልተ ኣናብስ ብምቕታል ን ዕሉል ጕጅለ ቢሽኖይ ከምዘቖጥዖ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ቢሽኖይ ንኣንበሳ ከም ቅዱስ ዝቖጽር ሃይማኖታዊ ጒጅለ እዩ። ሳልማን ኻን በቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሖን፡፡ እቲ ተዋሳኣይ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ፊንላንድ፥ መጠን ሽቕለት ኣረጋውያን ምውሳኽ የርኢ

ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ኣረጋውያን ፊንላንድ ምስ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ዝወሓዱ ምምባሮም፡ እንተኾነ ግና ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ መዳይ ርኡይ ምዕባለ ከምዘሎ ሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ 50-59 ዝዕድሚአን ኣብ ስራሕ ዝዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ፡ፊንላንድ ኣብዚ ሕጂ ምስ ሽወደን ኣብቲ ዞባ መራሒት ኮይና’ላ። እዚ ካብ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ማእከል ስታቲስቲክስ ብሎግ ሃና ሱቴላ ሓቢራ’ላ ። ፊንላንድ ምስ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ብምንጽጻር ዕድመ …

Read More »

ባጤራ ኖርወይ መሊሱ ይደክም

ዋጋ ባጤራ ኖርወይ ክሮነር ኣብ መወዳእታ ​​በዓል ፋሲካ ምንቊልቋል ኣርእዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ምንቁልቋል ትማሊ ሰኑይ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ክፉት ኮይኑ ኣብ ዝወዓለሉ እዩ ተኸሲቱ። ገለ ፋይናንሳውያን በዚ ክስተት ንጸጋማይ ማእከል መንግስቲ ኖርወይ ይወቕስዎ ኣለዉ። ክሳብ ትማል ሰኑይ ምሸት፡ ሓደ ዶላር ኣመሪካ 10.96 ክሮና፡ ሓደ ዩሮ ድማ 11.77 ክሮና ተሸይጡ። ካብ ሎሚ መፋርቕ ንግሆ፡ ክሮነር ቁሩብ ሓይሉ’ኳ እንተነበረ፡ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ዋጋ ኣባይቲ የንቈልቊል

ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ዝሓለፈ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ዋጋታት ዝኣረገ ኣባይቲ ኣብ ኩባንያታት ኣባይቲ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት  ኣብ ቫንታ ብ 10.4%፡ ኣብ ሄልሲንኪ ብ7.1%፡ ኣብ ኦውሉ ድማ ብ 6.8% ከምዝወረደ ሓቢሩ። ሽዱሽተ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 6.1% ምንቁልቋል ክምዝገባ እንከለዋ፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 6.7%፥ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ዝርከባ ከባቢታት ግን …

Read More »

ሱፖ፡ ሩስያ ኣብ ፊንላንድ ንሃገራዊ ድሕነት ዝዓበየት ሓደጋ ኮይና ትቕጽል ኣላ

ሩስያ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ፊንላንድእታ ዝዓበየት ሓደጋ ኮይና ትቕጽል ከምዘላ ኣገልግሎት ጸጥታን ስለያን ፊንላንድ (ሱፖ) ሓቢሩ። ሱፖ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሩስያ ንፊንላንድ ከም ዘይምሕዝነታዊት ሃገር ከም እትቖጽራን ኣንጻራ ስለያዊን ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ናይ ጽልዋ ጎስጓሳትን ምክያድ ከም ዝቐጸለትሉን ኣዘኻኺሩ። ፊንላንድ ብዘካየደቶ ዓጸፌታዊ ጻዕርታት ጸረ ስለያ፡ ምስጓግ ሓለፍቲ ስለያን ጽኑዕ ፖሊሲ ቪዛን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኣተን ኣገራት እናኽፍአ መጺኡ’ሎ። እታ …

Read More »

ጃፓን፥ ነፈርቲ ኲናት ክትሸይጥ እያ

ካቢነ ሚኒስተራት ጃፓን እታ ሃገር ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ብሓባር እተማዕብለን ዘላ ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእ ንሰደድ ክውዕላ ኣጽዲቑ፡ እዚ ድማ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እተኸተለቶ ናይ “ሰላማውነት” ፖሊሲ ትወጻእ ምህላዋ ዘመልክት እዩ። እዚ ውሳነ ባይቶ ጃፓን እታ ሃገር እተን ጀት ነፈርቲ ናብተን ውዕል ምክልኻል ዝፈረመትለን፡ ከምኡ’ውን ግጭት ናብ ዘይብለን ሃገራት ክሽየጣ ንምፍቃድ ንሕግታት ሰደድ ኣጽዋር ዝቐለለ ክኸውን ጌሩ’ሎ። ጃፓን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com