Tuesday , March 19 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሆላንዳዊ መራሒ ጸረ እስልምና ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ገዲፉዎ።

ብጸረ እስልምናዊ መርገጺኡ ዝፍለጥ ሆላንዳዊ ህዝባዊ መራሒ ጌርት ዊልደርስ፡ ዋላ’ኳ ሰልፉ ኣብ ምርጫ 2023 ኣንጸባራቒ ዓወት እንተመዝገበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዘይደፍኣሉ ገሊጹ። “ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝኽእል ኩሎም ኣብቲ ጥምረት ዘለዉ ውድባት ክድግፍዎ እንተኾይኖም ጥራይ እዩ። ከምኡ ድድማ የሎን ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ’ሎ። ሰልፉ ሰልፊ ሓርነት (PVV) ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሐ ድምጺ እኳ እንተረኸበት መላፍንቲ ንምቛም ግን ደገፍ ካልኦት …

Read More »

ብሰንኪ ኣድማ ወደባት ፊንላንድ ይለምሳ

ኣብ ፊንላንድ ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ኣድማ፡ ኣብ ወደባትን ባቡርን እታ ሃገር ጽዕነት ትራፊክ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ምግባር፥ ኣብ ሎጂስቲክስ ዓቢ ምዝባዕ ምስዓቡ ተገሊጹ። ነዳዲ ሓዊሱ ሕጽረት ካልኦት ሃለኽቲ ከስዕብ ከምዝኽእል እው ይገለጽ ኣሎ። ብመንገዲ “ማሕበር ኦፕሬተራት ወደባት” ኣቢሉ ን ኣስራሒ ዝውክል ጁሃ ሙትሩ፡ ኣብ ወደባት ዘሎ ድሕረት ንምፍታሕ ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል፡  መብዛሕትኡ ጽዕነት ትራፊክ ደው ክብል ከምዝኽእልን የጠንቅቕ። …

Read More »

ስነ-ስርዓት ምስቃል ባንዴራ ሽወደን ኣብ መደበር ኔቶ ተፈጺሙ

ምስ ጽንብል ምብዓል ባንዴራ ነቶ ማዕረ ማዕረ ሎሚ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ ባንዴራ ሽወደን ኣብቲ መደበር ውድብ ተሰቒላ። ኣብ ሶሌፍተዮ ዝርከቡ ኣባላት መበል I21 ረጅመንት ኣጋር ሰራዊት፥ ሲቪላውያን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊያን ወከልቲ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ብራስለስ ድማ ልኡኽ ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ ሰደቓ ውሳነ ሓድሽ መንበር ረኺቡ ከምዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣክሰል ቨርኖፍ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናብ ሆስፒታላት ኣልዓውዳን ከማል ዓድዋንን ዘካየዶ ዑደት ድሕሪ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ውድብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኲነታት ቓዛ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ቓዛ ብሰንኪ ጥሜት 10 ህጻናት ምሟቶም ከቢድ ደረጃ ሕጽረት መግቢ ምህላዉ፡ …

Read More »

ሓደጋ ሄሊኮፕተር ሰብ ቀዚፉ

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ልምምድ “ሲኮርስኪ ኤስ-92” ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምውዳቓ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝርከብ ትካላት ነዳድን ጋዝን ባሕሪ ኖርወይ ዝወስድ መጓዓዝያ ኣየር ሎሚ ሓሙስ ደው ክብል ከም እተገብረ ተፈሊጡ። ኣብታ ሄሊኮፕተር ካብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ተሳፈርቲ ሓደ ሞይቱ’ሎ። ሰብመዚ ሆስፒታል በርገን ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓደ ሰብ’ውን ኣብ ከቢድ መጉዳእቲ፡ ካልእ ድማ ብኸቢድ ከምዝቖሰለ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ …

Read More »

ድሕሪ ጠሊ ክረምቲ ደረጃ ማይ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ይበጽሕ

ኣብ ደቡብ ሽወደን ዝርከብ ትሕተ-ምድራዊ ዕቋር ማይ ክሳብ ኣፉ ምሉእ ምዃኑ ካብ ጂኦሎጂካዊ ዳህሳስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ብሰንኪ ደረቕ ኩነታት ኣየር ብሕጽረት ማይ ተሃስዮም ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ካብ ውሕጅ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ክፋላት እታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ጥልል ዝበለ ክረምቲ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ካብ ምማር ወራርሩ ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ እዋን ምሉእ ወራር ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ። ይዂንምበር እዚ ንወተሃደራዊ ውጥን ሩስያ ዝሕግዝ ስለዝኾነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝቖሰሉ ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ’ሎ። ሰብመዚ ዩክሬን ኣሃዛት ጉድኣት ንህዝቢ ናይ ምግላጽ ባህሊ የብሎምን፡ እንተኾነ ግና እቲ ቊጽሪ ልዑል ምዃኑ ግምታት ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ፍርቂ ካብቲ ምዕራባውያን ንዩክሬን ክህብኦ እተመባጽዓኦ ሓገዝ ምድንጓዩ፡ እዚ ድማ ህይወትን መሬትን ክኽሰር …

Read More »

‘ዓሌትነት’ ኣብ ኖርወይ ናይ መዓልታዊ ተርእዮ እዩ ተባሂሉ

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኖርወጃውያን፡ ንካልኦት ብሄራት ዘነኣእስ ቃላት ዝመመለዪኡ “ዓሌትነት መዓልታዊ” ብሰፊሑ ከም ዝዕዘቡ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ዓሌትነት ክሳብ ክንደይ ጸገም ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኡኢጽሮም እናወሰኸ ዝመጹ ኖርወጃውያን ከም ዝፈልጥዎ እቲ ዳህሳስ ኣጣሊሉ’ሎ። እቲ ዳህሳስ ብደረጃ ሃገር ብናይ ምርምር ትካል ኖርስታት ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (NRK) ዝተኻየደ እዩ። 47% ካብቶም እዚ ሕቶ ዝቐረበሎም መዓልታዊ ዘጋጥም ዓሌትነት “ኣዝዩ ዘስፋሕፍሐ” …

Read More »

ሬሳ ናቫልኒ ናብ ኣዲኡ ይምለስ

ሬሳ ሩስያዊ መራሒ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫልኒ ናብ ኣዲኡ ከምዝተመለሰ ወሃቢት ቃሉ ገሊጻ። ኪራ ያርሚሽ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፈቶ መልእኽቲ፡ ንኹሎም ሬስኡ ክርከብ ዝጸዓሩ ሰብመዚ ኣመስጊና። እቲ ቀብሪ ገና ኣይተኻየደን" ክትብል ኪራ ጽሒፋ። ኣደ ናቫልኒ ልዩድሚላ "ምስጢራዊ" ቀብሪ ክገብር እየ ኢላ ክተማማዕ ጸቕጢ ከም እተገበረላ እዩ ዝግለጽ ። ኣብዚ ምስምማዕ እንተኣቢያ ግና ኣብታ ዝሞተላ ቤት ማእሰርቲ ክቕበር ምዃኑ እዩ ተነጊርዋ። በዚ …

Read More »

ብዝሒ ህዝቢ ኖርወይ ካብ 5 ሚልዮን ፈረቓን ይልዕል

ኖርወይ ን ዓመተ 2024 ብወግዓዊ ብዝሒ ህዝቢ 5,550,203 ከም ዘጀመረቶ ተፈሊጡ። እዚ ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ቁሩብ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። እዚ ይዂንምበር ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰሜናዊ ጠረፍ እታ ሃገር ስደት እንተዘይህሉ ቊጽሪ ህዝቢ ምንካይ መጋጠሞ ኔሩ። ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኖርወይ እታ ሃገር ናይ 61,219 ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ከምዘርኣየት ገሊጹ’ሎ። እዚ ካብቲ ኣብ መጀመርታ 2023 ዝተገልጸ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ቁሩብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com