Monday , April 29 2024

“ወልፊ ጌይም” ከም ሕማም ክምዝገብ እዩ

Credit: Henrik Montgomery/TT

ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡ ወልፊ ቪድዮን ኮምፒዩተር ጸወታን ኣብ ሽወደን ብወግዒ ዝተረጋገጸ ጸገም ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕክምና ዘለዎ ሕማም እዩ ክብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ንሕማም ክሊኒካዊ ወልፊ ዝመርሕ ፕሮፌሰር ኣንደርስ ሃካንሶን ገሊጹ። ንሱ ነዚ ጸወታ ጌይም ከም ሕማም ወልፊ ምምዳብ ነቶም ወልፊ ዲጂታላዊ ወይ ቪድዮ ጸወታ ዘለዎም ሰባት ተስፋ ዝህብ ኲነታት ዝፈጥር እዩ ክብል ይዛረብ። “እዚ ጸገም ዘለዎም ዝበዝሑ ሰባት ሓገዝ ኣይረኽቡን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣይደልዩን ምህላዎም እዩ” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com