Monday , April 29 2024

ልዕሊ 500 ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ተነጺጉ

Credit: Janerik Henriksson / TT

ቁሩብ ልዕሊ 500 ሰባት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኣታተወ ሓድሽ ረቛሒ ደሞዝ ስለዘየማልኡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሕቶኦም ከምዝተነጽገ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ዝወጸ ኣሃዛት ይሕብር። መብዛሕትኡ እዚ ምንጻግ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግን ብማእከላይ ገምጋም 68 ሰባት ኣብ ወርሒ ፍቓድ ስራሕ ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ተነጊርዎም ኣሎ፡፡ ምኽንያት ናይዚ ኸኣ እኹል ኣታዊ ስለዘይብሎም እዩ። እዚ ድማ ምስ 1.8% ኩሉ ውሳነታት ፍቓድ ስራሕ ኣብዚ እዋን ዝመጣጠን እዩ። ፍቓድ ስራሕ ንምሕዳስ ካብ 1 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ወርሒ ካብ 13 ሽሕ ክሮነር ናብ 27,360 ክሮና ክብ ክብል ተገይሩ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com