Tuesday , March 19 2024

ባህሊ

ሽወደን “ካብ ኣርባዕተ ሽወደናውያን እቲ ሓደ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ቻነላት ቲቪ ከም ይርኢ”

ኣስታት 25% ሽወደናውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ፊልምታትን ተለቪዥንን ከም ዝርእዩ “ሚድያቪዥን” ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ሓደ ዳህሳስ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ ቅድሚ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 20% እዩ ናብ 25% ወሰኽ ኣርእዩ ዘሎ። ብፍላይ ድማ ኣስታት 50% ካብ መናእሰይ ሽወደን ብዘይ ግቡእ ክፍሊት ፊልምን ፕሮግራማት ቲቪን ይርእዩ ኣለዉ። እዚ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ንኢንዱስትሪ ተሌቪዥንን ምዝንጋዕን ብዙሕ ክሳራ ዘስዕብ እዩ ትብል ተንታኒት ሚድያቪዥን ናታልያ ቦረሊየስ።

Read More »

ኡፕሳላን ኪሩናን ንርእሰ ከተማነት ባህሊ ኤውሮጳ ክወዳደራ

ሽወደንን ፖላንድን ኣብ 2029 ሓንቲ ርእሰ ከተማ ባህሊ ኤውሮጳ ከአንግዳ እየን። ኣብ ሽወደን ክልተ ከተማታት ማለት ኣብ ማእከላይ ሽወደን እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላን፡ ካብ ዓንኬል ኣርክቲክ ልዕል ኢላ እትርከብ ከተማ ኪሩናን ነዚ ክብሪ መን ዝያዳ ትበቅዕ ኣብ ውድድር ይርከባ ኣለዋ። ኣካያዲ ፕሮጀክት ምምሕዳር ኡፕሳላ ፓትሪክ ኪራሊ ከተማኡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንነት ንምድላይ ኣብ ጻዕሪ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ “ን ፓሪስ ወይ ሮማ …

Read More »

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING ከምቲ እቲ ቃል ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን እቲ ንኻልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ዚምልከት ምረቓ ከም ዓቢ ፍጻመ ኢዩ ዚቝጸር። UTSPRING ኡትስፕሪንግ ካብ ut (ንደገ) + springa (ምጉያይ) ዝመንጨወ እዩ። “ምጉያይ” ወይ “ናይ ምረቓ ሸበድበድ” ኢልካ ክትትርጉሞ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መዓልቲ ምረቓ፡ ተማሃሮ ብተለምዶ ክፍሊ ብኽፍሊ ካብ ህንጻ ቤት-ትምህርቲ ወጺኦም ይጎዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይቲ ተመሃራይ ቆልዓ …

Read More »

Aktuellt ኩነተ ህላወ no.2 ማሕበራዊ ሽግራትናን መፍትሒኡን

Read More »

ዮሃና ንሃገራዊ መዓልቲ ነጻነት ስዊድን 6 juni 2022

Read More »

ኣብያተ መዘክር ሽወደን ን ታሪኻዊ ውርሻታት ዩክሬይን ይሕግዙ።  

ኣብያተ መዘክር ሽወደን ባህላዊ ቅርስታት ዩክሬይን ንምዕቃብ ይፍትኑ ምህላዎም ተገሊጹ። ንኣብነት ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ሃገራዊ ቤተመዘክር  ን ቤተ-መዘክራት ናይታ ኣብ ምዕራብ ዩክሬይን እትርከብ ከተማ ልቪቭ ይሕግዛ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። እዚ ስራሕ ምስ ኣብ ሽወደን ዝርክባ ካልኦት ኣብያተ መዘክር ብምትሕብባር ይካየድ ምህላዉ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ሃገራዊ ቤተመዘክር ሱዛና ፒተርሰን ገሊጻ’ላ።  “እቲ ኲናት ጅምር ምስ ኣበለ ነተን ኣብ ዩክሬይን ዝርከባ ኣሓት …

Read More »

ኮርኒልያ ጃኮብስ፡ ‘ሕልሚ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ ዘሎ”

ብቐዳም ምሸት ኣብ መሎዲፈስቲቫለን ኣብ ዝተካየደ ውድድር ደርፊ ምዕዋታ ክትጾሮ ዝኸብዳ ሓጎስ ከም እተሰምዓ ኮርኒልያ ጃኮብስ ገሊጻ’። ብምኽንያት ዓወታ ኮርኒያ ን ሽወደን ወኪላ ኣብ ውድድር ደርፊ ኣውሮጳ ዩሮቪዥን ክትሳተፍ እያ። “ዘይተጸበኹዎ ዓብዪ ሓጎስ እዩ፡ ኣእምሮይ ዝግንፍል ዘሎ ክሳብ ዝመስለኒ እየ ተሓጒሰ” ዝበለት ኮርኒልያ ነቲ ኣብ ቱሪን ኢጣልያ ኣብ መፋርቕ ወርሓ ጉንበት ዝካየድን 40 ሃገራት ዝሳተፋኦን ውድድር ዩሮቪዥን ትዳሎ ምህላዋ ወሲኻ …

Read More »

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ ንመበል 22 ግዜ ተጸምቢሉ ።

ትማሊ  21 ለካቲት ኣህጉራዊ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ ንመበል 22 ግዜ ተጸምቢሉ ኣሎ።ኣብ ገሊኡ ድማ ይጽምበል ክህሉ ትጽቢት ይግበረሉ።ኣብ ሕዳር 1999 ፡ውድብ ትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ባህልን ዓለም ብዝወሰኖ መሰረት፡ካብ 2000 ዓመተ ምህረት ክብዓል ዝጀመረ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ(Modersmål dagen)፡ወዲ ሰብ ብቛንቛ ኣዲኡ ከም ድሌቱ ክዛረብን ክጽሕፍን ንምዝኽኻር ዝዓለመ ኣህጉራዊ ጽምብል ኢዩ።2.3 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ማለት 40% ብቛንቋ ኣዲኡ ክምሃር ዕድል ዘይረኸበ እዩ። …

Read More »

ኖርወይ፥ ተመሃሮ ኣብ ቋንቋታት ወጻኢ ዘለዎም ተገዳስነት የንቈልቊል።

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ ኣብ ቋንቋታት ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ጀርመንኛ፥ ስጳኛ ከምኡውን ፍውረንሳይኛ ዝህልዎም ተገዳስነት እናንቈልቈል ምምጽኡ ዳይረክቶሬት ትምህርቲ ኖርዌይ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ተመሃሮ 4% ጥራይ ኣብዞም ቋንቋታት ተገዳስነት ምርኣዮም እውን ተመልኪቱ። እዚ እናኾነ ኣብ ትምህርቲ ሕሳብ ዝግደሱ ተመሃሮ ቊጽሮም እናሰሰነ ምምጽኡ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣመልኪቱ። 1117 ተመሃሮ ጥራይ ኣብ ቋንቋታት ወጻኢ ተገዳስነት ከርእዩ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ናይ ሕልና ደወል (The Inner Voice)

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ከኣ ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ህጻን ከሎኻ፡ ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ፧ ምስ ዚብሉኻ፡ ኣነ ኣይኮንኩን ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ ናይ ምሕሳው ዝንባሌ እንተ ዘይህልወካ ድማ ኣይምሰረቕካን። ወላዲ! ህጻናት ኪሕስዉ ከለዉ ኣብ ዓይነይ ረኣዩኒ በሎም። ገለ ፍሉያት ዘርኢ (ናይ ሕልናኣም ደወል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com