Tuesday , March 19 2024

ኖርወይ፥ ተመሃሮ ኣብ ቋንቋታት ወጻኢ ዘለዎም ተገዳስነት የንቈልቊል።

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ ኣብ ቋንቋታት ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ጀርመንኛ፥ ስጳኛ ከምኡውን ፍውረንሳይኛ ዝህልዎም ተገዳስነት እናንቈልቈል ምምጽኡ ዳይረክቶሬት ትምህርቲ ኖርዌይ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ተመሃሮ 4% ጥራይ ኣብዞም ቋንቋታት ተገዳስነት ምርኣዮም እውን ተመልኪቱ።

እዚ እናኾነ ኣብ ትምህርቲ ሕሳብ ዝግደሱ ተመሃሮ ቊጽሮም እናሰሰነ ምምጽኡ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣመልኪቱ። 1117 ተመሃሮ ጥራይ ኣብ ቋንቋታት ወጻኢ ተገዳስነት ከርእዩ እንከለዉ ብኣንጻሩ ዓሰርተ ዕጽፊ ናይዚ ዝኾኑ ማለት 10ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ትምህርቲ ሕሳብ ተገዳስነት ኣርእዮም ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com