Tuesday , May 21 2024

ኣማንዳ ሊንድ ሓዳስ ልፍንታዊት መራሒት ሓምለዋይ ሰልፊ ኮይና

Credit: Pontus Lundahl/TT

ኣማንዳ ሊንድ ሓዳስ ልፍንታዊት መራሒት ሓምለዋይ ሰልፊ ኮይና። ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ድሕሪ እተዋህበ ድምጺ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ደጊፎም ገሊጾምላ ኣለዉ። ሓምለዋይ ክልተ ናይ ሓባር ”ኣፈኛታት”፣ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ናይ ምግባር ልምዲ ኣለዎ። እቲ ካልእ ልፍንታዊ መራሒ ድማ ዳኒኤል ሄልደን እዩ። ብኻልእ ዜና ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ወለዲ ካብቶም ሽወደናዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ወለዲ ብዝበዝሕ መጠን ሓገዝ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ዝሕረሙ ተፈሊጡ። ነዚ ዘረጋገጸት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርልስታድ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ዕዮ ብርጊታ ፐርስዶተር እትመርሖ መጽናዕቲ እዩ። ኢንዲካተር ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ዳህሳሳዊ ሓበሬታ ቅድሚ እቲ ዝመጽእ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሳተፉ ሕጹያት ሽወደን ዝኾኑ ኣባላት ክርስትያናዊ ዲሞክራትስ ሎሚ ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ምርጫ እንተዝካየድ ኣብ ባይቶ ሓንቲ ወንበር እውን ይይምተዓወቱን ክብል ገሊጹ። ክርስትያን ዲሞክራትስ ኣብቲ ኣብ ሚያዝያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ 2.3% ደገፍ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ሰልፊ ማእከልን ሊበራላውያንን ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ባይቶ መንበር ንምርካብ ዘድሊ ኣስታት ናይ 4% ኣለዉ። ሽወደን ኣብ ዝመጽእ 9 ሰነ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ንምስታፍ ክትኸይድ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com