ዝቕባበ ሽወደን ተተሓሒዝዎ ዝነበረ ምንቊልቋል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ደው ምባሉ፥ እዚ ድማ ብክኢላታት ስነቚጠባ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ለውጢ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2.3% ጸኒሑ ኣብ 3.3% ደው ምባሉ ዝፍለጥ እዩ። ገለ ካብቶም በዚ ዝቕባበ ምኽንያት ዋጋኦም ብፍጥነት ዝውስኽ ዝነበረ ሃለኽቲ ቡን፡ ሻሂን ዘይቲ ምግቢን እዮም። ዓገለ ኣብ ጎነጽ ዝተዋፈሩ ኣኽረርቲ ባእታታት ኣብ AI ተገዳስነት የርእዩ …
Read More »ስራሕን ቁጠባን
ፍቓድ ስራሕ ንምርካብ 800 ኪ.ሜ ንሰሜን ዝተጓዓዘት ስድራ
ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንፍቓድ ስራሕ ዝድለ መጠን ደሞዝ ክብ ከም ዝብል ድሕሪ ምግባሩ፡ ክሪስነንዱ ማሃልደርን ፖሊ ሳርከርን ምስ ጓል ክልተ ዓመት ጓሎም ካብ ሽወደን ክወጹ ከይግደዱ ብርቱዕ ስግኣት ስለዝሓደሮም፥ ብሽነኽ ሰሜን 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ስከለፍተዮ ስራሕ ብምንዳይ መፍትሒ ምርካቦም ይገልጹ፡፡ በዚ ድማ እዛ ስድራቤት ሕጂ ኣብዚ ሓድሽ ከባቢ እግሪ ኣብ ምትካል ትርከብ ኣላ። “ብዙሕ ዓቐብን …
Read More »ዝቕባበ ምንቁልቋል ይቕጽል
መጠን ዝቕባበ ሽወደን እናጎድለ ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝቕባበ 2.3% ክወርድ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ግን 3.6% ሚእታዊት እዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዝሓንጸጾ ሸቶ–ማለት 2% ይቐርብ ኣሎ። ኣብ “ስዊድባንክ” ምሁር ስነቚጠባ ማቲያስ ፐርሰን፡ ዝቕባበ የንቈልቊል ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ከም ዝከኣል፡ እዚ ድማ ማእከላይ ባንክ ወለድ ከጉድል ንኽገብር ክቕስቦ ምዃኑ ይገልጽ። ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል ዝቕባበ ኣብ …
Read More »ሽቕለት ኣልቦነትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 72,500 ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከምዝኽእሉ ምልክታ ተዋሂብዎም ምንባሩ እዚ ድማ ነተን ዓመታት ለበዳ ኣውጺእካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት እተራእየ ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ባእታታት ክሃሲ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
Read More »ድሕሪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ቀረብ ይውድኡ
ኣብ ሓድሽ ዓመት ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ብልዕሊ ኣርባዕተ ክሮነር ድሕሪ ምውራዱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ኣብ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ሽወደን ናፍታ ሙሉእ ብሙሉእ ከም እተወድአ ተሓቢሩ፡፡ ። ብዙሓት ዋጋ ነዳዲ ክግደል ክጽበዩ ዝጸንሑ ዓማዊል መካይኖም ንምምላእ ብምጒያያኦም እዩ እዚ ተርእዮ ተኸሲቱ ዘሎ። ዋጋ ነዳዲ ካብ ሓደ ሊትሮ ብኣርባዕተ ክሮና ምጒዳል ምርኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምኽንያት እዚ ምንቁልቋል ምጉዳል ግብሪ ነዳዲ ከምኡ'ውን ትእዛዝ …
Read More »ኣብዚ ዓመት ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዜግነት ተነጺጉ
ኣብታ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2023 ቊጽሪ ናይቶም ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ዜግነት ንምቕባል ዘእተዉዎ ሕቶ ዝተነጽገ ሰባት ክብረ ወሰን ዝሓዘ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣመልከትቲ ዜግነት ንጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ስግኣት ዝፈጥሩ እንተኾይኖም ዝምርምር ኣገልግሎት ጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ሳፖ እዩ ። ገበን ናይ ምፍጻም ውጥን ወይ ነዚ ንምግባር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ ብ ሳፖ ዝተገምገመ ሰብ ዜግነት ናይ ምርካብ ዕድሉ ዕጹው ይኸውን ኣሎ። ሓደ ካብዞም …
Read More »ፊንላንድ፥ ባይቶ ኣብ 2024 ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ርኡይ ለውጢ ክግበር ኣጽዲቑ
ባይቶ ፊንላንድ ንሽቕለት ኣልቦነት ዝጸሉ ተኸታታሊ ጽገናታት ኣጽዲቑ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ምሉእ 2024 ክዝርጋሕ እዩ። እዚ ለውጥታት፡ ምጉዳል መሰረታዊ ኣበል ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድጎማ ዕዳጋ ሽቕለትን ሓፈሻዊ ኣበል ኣባይትን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ኣገባብ ምሕሳብን ምክፍፋልን መልዕሎ ጽልዋ ክህልዎ እዩ። ካብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ኣትሒዙ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ሓገዝ ሽቕለት ኣልቦነት ክረክብ ቅድሚ ምጅማሩ ዝጸንሓሉ ግዜ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ መዓልታት ክናዋሕ …
Read More »ማሕበር ሰራሕተኛታት፡- “ኣብ ሓደ ቦታ ብብዝሒ ንኡሳን ኮንትራክተራት ምህላዎም ን ሓደጋ ዘቃልዕ እዩ”
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስራሓት ህንጻ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓያሎ ሞት ዘስዓበ ሓደጋታት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጻ ዝውዕሉ ዘለኡ ንኡሳን ኮንትራክተራት ዳግማይ ዘተ ይካየድ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ባይግናድስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ብሓደጋ ሊፍት ሓሙሽተ ሰባት ዝሞቱሉ ኣብ ሱንድባይበርግ ዝርከብ ህንጻ 119 ንኡሳን ኮንትራክተራት ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቲ ማሕበር፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሳንድባይበርግ ዘጋጠመ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ግምቱ ክህብ ከም …
Read More »ባንክታት ን ዝውውር ክፍሊት ኣፕ ክድርታ ተኽእሎ’ሎ
ብመንገዲ ሞባይል ክፍሊት ኣፕ ስዊሽ ብዙሕ ገንዘብ ንዝልእኩ ዓማዊል ባንክታት ኣብ ቀረባ እዋን ዝያዳ መሰናኽላት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ማሕበር ባንከኛታት ሽወደን ነዚ ተርእዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ባንክታት ምትላል ደው ንምባል ገለ ጸጥታዊ ስጉምትታት ከጽንዓ ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ። ሓደ ዓሚል ዓቢ ባንክ ኖርድያ፡ 100 ሽሕ ክሮና ናብ ሓደ መጭበርበሪ ብምስዳዱ ነቲ ባንክ ምኽሳሱ ሬድዮ ሽወደን ከም ኣብነት ናይዚ ኲነታት …
Read More »ፊንላንድ፥ ቋንቋ እንግሊዝ እግሪ ይተክል ምህላዉ ንብዙሓት የሻቕሎም
ብዙሓት ፊንላንዳውያን፡ እንግሊዝኛ ብዋጋ ቋንቋ ፊንላንድን ሽወደንን ዝሰፍሐ ቦታ ክረክብ እዩ ዝብል ፋዕራ ከም ዘይብሎም ብኦማ ኪየሊ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣስታት 85% ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኩባንያታት ብቐንዱ ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ንተጠቀምቲ ከገልግላ ኣለወን ዝብል መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከምዝሰማምዑ ገሊጾም። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ኣስታት 10% ጥራይ እዮም ምስቲ መግለጺ ዘይተሰማምዑ። እንግሊዝኛ እንኮ ቋንቋ ኣገልግሎታት …
Read More »