Saturday , May 4 2024

ዝቕባበ ምንቁልቋል ይቕጽል

Credit: Anders Wiklund/TT/Fredrik Sandberg/TT.

መጠን ዝቕባበ ሽወደን እናጎድለ ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝቕባበ 2.3% ክወርድ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ግን 3.6% ሚእታዊት እዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዝሓንጸጾ ሸቶ–ማለት 2% ይቐርብ ኣሎ። ኣብ “ስዊድባንክ” ምሁር ስነቚጠባ ማቲያስ ፐርሰን፡ ዝቕባበ የንቈልቊል ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ከም ዝከኣል፡ እዚ ድማ ማእከላይ ባንክ ወለድ ከጉድል ንኽገብር ክቕስቦ ምዃኑ ይገልጽ። ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል ዝቕባበ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እተመዝገበ ዝተሓተ ዋጋ ጸዓት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣዋእዚ ምንቊልቋል ዝቕባበ ንዕኡን ካልኦት ኣብ ገለ ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ዝርከቡ ክኢላታት ቁጠባን ንክሮናን እንታይ ትርጉም ከም ዝህልዎ እዩ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ “እዚ ኲነታት ንዝተሓተ ዋጋ ልቓሕ ትሕጃ ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ”ኣመልኪቶም ኣለዉ። እንተኾነ ግና እዚ ኣብ ባጤራ ክሮና እዚ’ዩ ዝበሃል ለውጢ ዘመዝግብ ኣይኮነን ክትብል ሓንቲ ካብዞም ክኢላታት ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com