Wednesday , May 1 2024

ኣብ ልዕሊ ኮኾብ ሲነማ ህንዲ ሳልማን ኻን ፈተነ ቕትለት ተኻዪዱ

Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ፖሊስ ህንዲ፡ ን መንበሪ ኮኾብ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ሳልማን ካን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብረት ፈጺሞም ዝበልዎም ክልተ ኣባላት ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ኣብ ልዕሊ 100 ፊልምታት ዝተዋስአን ቅድሚ 20 ዓመታት ክልተ ኣናብስ ብምቕታል ን ዕሉል ጕጅለ ቢሽኖይ ከምዘቖጥዖ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ቢሽኖይ ንኣንበሳ ከም ቅዱስ ዝቖጽር ሃይማኖታዊ ጒጅለ እዩ። ሳልማን ኻን በቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሖን፡፡ እቲ ተዋሳኣይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሳሳሊ ናይ ሞት ፈተነ ከም እተገብረሉ ቢቢሲ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። እቶም ክልተ ሰባት ዝሓለፈ ሰንበት ንግሆ ብሞተርሳይክል ናብ ቤቱ ምቕራቦም፡ ቅድሚ ምህዳሞም ከኣ ናብቲ ኣብ ባንድራ ዝርከብ ኣፓርታማኡ ሓሙሽተ ዙርያታት ከምዝተኮሱን ፖሊስ ሙምባይ ሓቢሮም። ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እዞም ጽምዲ ኣብቲ ኣብ ደገ ጋላክሲ ኣፓርታማታት ዝተፈጸመ ተኹሲ ተሳትፎ ከም ዝነበሮም ተናዚዞም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com