Tuesday , April 30 2024

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

Credit: Claudio Bresciani/TT

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኑ።
“ነዚ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ብዕቱብ ክንርእዮ ኣለና” ክብል ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ተዛሪቡ። እቲ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ካብ ምምሕዳራት እቲ ከባቢ ዝመጽእ ለበዋታት ክኽተሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ እናኾነ እስራኤል ብዝመረጸቶ ኣገባብን ኣብ ዝመረጸቶ ግዜን ንመጥቃዕቲ ኢራን ግብረ መልሲ ክትህብ ምዃና ገሊጻ’ላ። ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ናብ ካቢነ ሚኒስተራት ኲናት ዝተጸንበረ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቤኒ ጋንትዝ፡ እስራኤልን ምዕራባውያንን ዘለዎም ሓባራዊ ምድግጋፍ ኣስሚሩሉ። እስራኤል ኣንጻር ኢራን ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ዓለም ክትሓብራ እያ። እዚ ጸጥታ እስራኤል ንምውሓስ ክንጥቀመሉ ዘለና ስትራተጂካዊ ዓወትዩ ኢሉ። ጋንትዝ ዝተጠቐመሎም ቃላት እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኢራን ንፈለማ እዋን ግሁድ መጥቃዕቲ ክትገብር ከም እትኽእል ዝእምት እዩ። እስራኤል ንኒዩክለራዊ መደብ ኢራን መጥቃዕቲ ሳይበርን ቅትለት ኣብኡ ዝዓዩ ተመራመርቲን ኣቢላ ነቲ መደብ ብተደጋጋሚ ምጥቃዓ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዲፕሎማስያዊ ግብረመልሲ ንምርካብ ብምባል ዝጸውዖ ኣኼባ ኣዝየን ዝሃብተማ ምዕራባውያን ሃገራት G7 ምናልባት ቊሩብ ግዜ ክወስድ ይኸውን እዩ ። ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተጓሃሂሩ ዘሎ ኲናት ሓማስ ንእስራኤል ካብ እተጥቅዓ ንደሓር ዝጀመረ ኮይኑ፡ እስራኤል ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኢራን ምድምሳሳ ነቲ ቅልውላው ክዓርግ ጌርዎ’ሎ። እቲ ብ 1 ሚያዝያ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሓደ ላዕለዋይ ጀነራልን ካልኦት ሓገዝቱን ምቕታሉ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። እቲ ናይ ምጥቃዕ ውሳነ ንኣሜሪካውያን ዝተወከሰ ኣይነበረን። እስራኤል ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን (IRGC) ንምቕታል ዝረኸበቶ ዕድል ዝመጸ ይምጻእ ብዝብል ዝገበረቶ እዩ ዝመስል። ኣብ ዲፕሎማስያዊ ቀጽሪ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ምህላዎም ነቲ ህንጻ ሕጋዊ ዕላማ ከምዝገበሮ ኣስራኤል ንምንም ዘየእመነ ስነ-ሞጎት ኣቕሪባ’ላ። ነቲ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝገበሮ ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ናታ ገዛእ ሉኣላዊ መሬታ ከም እተፈጸመ ጌራ ክትትርጉሞ ምምራጻ እዩ። ኢራን ነዚ መጥቃዕቲ ቅልጡፍ ምላሽ ከም እትህብ ንጹር እዩ ኔሩ። ከምቲ እተገመተ ከኣ ኢራን ብ ላዕለዋይ መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ኣቢላ መግለጺታት ከተመሓላልፍ ተራእያ እያ። እስራኤልን ኣሜሪካን መሻርኽተንን ድማ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሓ ባይደን ከኣ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ካብ ስቴት ደላዌር ናብ ዋይት ሃውስ ክምለስ ደሪኹ እዩ። ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ብሱፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይላት ዘይኮነስ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትገብሮ ምምራጻ ካልእ ኣዛራቢ ክፋል እዚ ቅልውላው እዩ። እዚ ድማ ብዙሓት ተንተንቲ ካብታ ኣዝያ መሪር ጸላኢት እስራኤል ዝዓበየ መጥቃዕቲ ይጽበዩ ብምንባሮም እዩ። እንተኾነ ግና እዘን ኣስታት 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ክሩዝን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ብጸረ ሚሳይል እስራኤል ምብርዓኖም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እስራኤል ብዘይካቲ ዘለዋ ዘይነዓቕ ናይ ገዛእ ርእሳ ዘይነዓቕ ዓቕሚ፡ ብኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ዮርዳኖስን ዝተደገፈ ምክልኻል ምክያዳ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com