Sunday , May 5 2024

ኣብ ሰራዊት ሶርያ ዘገልገሉ ዜግነት ሽወደን ይኽልከሉ

Credit: Ghaith al-Sayed/AP

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 700 ሶርያውያን ኣብ ሰራዊት ሶርያ ኣገልጊሎም ብዝብል ምኽንያት ዜግነት ሽወደን ከምዝተኸልከሉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ካብ 2004 ዝወጸ ውሳነ መንግስቲ ሽወደን ከም ዝሕብሮ፡ ገበናት ኲናት ኣብ ዝፈጸሙ ውድባት ዝተሳተፉ ሰባት ን 25 ዓመታት ዜግነት ሽወደን ኣይወሃቡ እዮም፡፡ ሰራዊት ሶርያ ብመንግስቲ ሽወደን ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ገበናት ኲናት ካብ ዝፈጸሙ ትካላት እዩ ዝጽብጸብ። ማትስ ሮዘንክቪስት ካብ ትካል ስደተኛታት ሽወደን ትካሎም ኣብዞም ጉዳያት ውልቃዊ ገምጋማት ከም ዝገብሩ ይዛረብ። በዚ ድማ ብዙሓት ሶርያውያን ድማ ዋላ ኣብ ሰራዊቶም ኣገልጊሎም እናሃለዉ ዜግነት ከም ዝረኽቡ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com