Monday , May 6 2024

ሩስያ ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ንኸይካየድ ዝጽውዕ እማመ ውዱቕ ትገብሮ

This image made available by the China National Space Administration on Wednesday, Dec. 16, 2020 shows the Tianwen-1 probe en route to Mars. China's duo _ called Tianwen-1, or “Quest for Heavenly Truth” _ will remain paired in orbit until May, when the rover separates to descend to the dusty, ruddy surface. If all goes well, it will be the second country to land successfully on the red planet. (CNSA via AP) NY688

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፥ ኩለን ሃገራት ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ኸይካየዳ ንዝጽውዕ እማመ፥ ሩስያ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ ስልጣና ብምጥቃም ውዱቕ ጌራቶ። እቲ ብኣሜሪካን ጃፓንን ዝቐረበ ንድፊ ውሳኔ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ውዕል ጠፈር 1967 ዝተነብረ መትከል ዳግማይ ከረጋግጽ ዝዓለመ እዩ። ሩስያ ኣብ ጠፈር ዝተመርኮሰ ጸረ ሳተላይት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተማዕብል ምህላዋ ኣመሪካ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ’ላ። ሩስያ ነቲ ዝጸንሐ ውዕል ብጽኑዕ ከም እትስዕቦ” ገሊጻ’ላ። እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝቐረበ ንድፊ፡ ኩለን ሃገራት ብፍላይ ድማ እተን ኣብ ጠፈር ናይ ምጒዓዝ ዓቕሚ ዘለወን፡ ን ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ጠፈር ክንቀሳቐሳ፥ ክምኡ’ውን ውድድር ኣጽዋር ኣብ ጠፈርን ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብምጥፈት ክሳተፋ ጸዊዑ’ሎ። ብተወሳኺ ሃገራት ነቲ ውዕል ጠፈር ክድግፋ ጻውዒት ተጌሩ’ሎ። እዚ ውዕል ኩሎም ወገናት ዝኾነ ይኹን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ወይ ካልእ ዓይነት ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ዝሓዘ ኣቕሓ ኣብ ዙርያ መሬት ከየቐምጡ ዘገድድ እዩ ። ካብቶም 15 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እቶም 13 ደጊፎም ክህቡ እንከለዉ፡ ሩስያ – ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ቬቶ ዘለወን – ኣንጻር ድምጺ ሂባ’ላ። ቻይና ዝኾነ ድምጺ ኣይሀበትን ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንባዕሉ፡ ሩስያ ኣብ ህዋ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከተዋፍር ሓሳብ ከምዘይብላ ብግልጺ ገሊጹ ምንባሩ ብምጥቃስ ነቲ ስጉምቲ ዘደንጹ እዩ ኢላቶ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com