Sunday , May 19 2024

ኣዳለውቲ “ዩሮቪዥን” ባንዴራታት ይዂን ምልክታት ፍልስጤም ክንኣሊ ኢና ይብሉ

ኣዳለውቲ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ውድድራዊ ምርኢት፥ ባንዴራ ፍልስጤምን ን
ፍልስጤም ዝድግፉ ኲሎም ምልክታትን ናይ ምእላይ ስርሓት ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም። እዚ ኣዋጅ ዝወጽእ ዘሎ፡ እስራኤል ኣብ
ዓመታዊ ውድድር ሙዚቃ ክትሳተፍ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ እትገብሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሻብዓይ
ወርሑ ሒዙሉ ኣብ ዘሎን እቲ ወጥሪ እናኸበደ ኣብ ዝኸደሉን ዘሎ እዋን እዩ። በዚ ድማ ደገፍቲ ፍልስጤም፥ ኣብ ማልሞ ሰፊሕ
ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከካይዱ እዮም ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት ናይዚ ዓመታዊ ዝካይድ ውድድር ደርፊ ፈነወ ሕብረት ኤውሮጳ ሚሸል ሮቨረሊ፡ እቶም ኣብዚ ውድድር
ክሳተፉ ቲኬት ገዚኦም ዘለዉ ሰባት ኣብቲ ፍጻመ ንዝሳተፋ ሃገራት ዝውክላ ባንዴራታት፡ ከምኡ’ውን ባንዴራ ግብረሰዶማውያን
ዝኾነ ቀስተ ደመና ሕብሪ ዘለዎ ባንዴራ ሒዞም ከርእዩን ከም ዝፍቀደሎም ገሊጻ’ላ። ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ኢ.ቢ.ዩ "ንመደባት
ቲቪና መሳርሒ ንምግባር ካልኦት ባንዴራታት ወይ ምልክታት፡ ክዳውንቲ፡ ኣቑሑ ይዂን ባነራት ናይ ምእላይ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ"
ክትብል ን “ዘ ኣሶሴይትድ ፕረስ” ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ገሊጻ’ላ። ንሳ ነዚ መልሲ ዝሃበት፥ ሽወደናዊት ጋዜጣ
ዮተቦርግስ-ፖስተን፡ ኣዳለውቲ ውድድር ኣብቲ መደብ ባንዴራ ፍልስጤምን ፖለቲካዊ ባነራትን ከም ዝኣገዱ ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ
ምሕባራ’ዩ።

ደገፍቲ ንሃገሮምን ዝድግፍዎምን ንምትብባዕ ኣብ እዋን ውድድር ሃገራዊ ባንዴራታት ክሕዙ ንቡር እዩ። ኣብዚ ዓመታዊ ኣማኢት
ሚልዮናት ተዓዘብቲ ዝስሕብ ጽንብል፡ ዓሚ ሽወደናዊት ሎሪንምዕዋታ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ 7-11 ግንቦት ኣብ ደቡባዊ ሽወደን
ኣብ ዝርከብ ማልሞ ክሳለጥ እዩ። ኣብዚ ውድድር ዝዕወቱ ብዘይካቲ ብውልቆም ዝረኽብዎ ሽልማታት ሃገሮም ኣብ ዝቕጽል
ውድድር ኣአንጋዲት ክትከውን ዝገብሩ እዮም። ኣብዚ ውድድር ሽወደን ን7ይ ብምእንጋድ ክብረወሰን ሒዛ’ላ። እዚ እናኾነ ፖሊስ
ሽወደን ስግኣት ግብረሽበራ ምኽንያት ብምግባር ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ክገብሩ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ኣለዉ። እስራኤል ካብዚ
ውድድር ክትወጽእ ክጠልቡ ዝጸንሑ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ካብቲ ውድድር ዝካየደሉ ቦታ ሓያሎ ኪሎሜተራት ርሒቑ ኣብ
ዝርከብ ኣደባባይ ከተማ ማልሞ ዓበይቲ ሰልፍታት ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com