Monday , April 29 2024

መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ብመንግስቲ ዕጒባት ኣይኮኑን ተባሂሉ

61% ፊንላንዳውያን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ ኣብ ስርሑ ድኹም ኣፈጻጽማ ከምዘርኣየ ይኣምኑ ክብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብትካል መጽናዕቲ ቨርያኒ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ ። 38% ካብዚኦም ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣዝዩ ድኹም ክብሉ እንከለዉ፡ 23 ሚእታዊት ድማ ብመጠኑ ድኹም ኢሎም ከም ዝቐጽርዎ ገሊጾም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ሓደ ሲሶ 34% ንተግባራት መንግስቲ እንተወሓደ ብመጠኑ ዘዕግብ ኮይኑ እዩ ዝረኣየና ክብሉ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብሓፈሻ 11% ጥራይ እዮም ኣሰራርሓ መንግስቲ ጽቡቕ እዩ ዝብል ገምጋም ዘለዎም። ተወሳኺ 23 ሚእታዊት ድማ ብመጠኑ ጽቡቕ ኣብ ዝብል ደረጃ ኣቐሚጦሞ ኣለዉ። ደገፍቲ ሰልፊ ሃገራዊ ጥምረት (ኮኮሙስ) ብ 79% ሰልፊ ፊንላንድን ኸኣ ብ 67% መንግስቲ ኣብ ስርሑ ዕዉት ኣሎ ክብሉ ይምጒቱ ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እተን ንኣሽቱ ልፍንቲ ውድባት ዘሎ ርእይቶታት ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። 56% ኣባላት ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ንኣሰራርሓ መንግስቲ ብኣወንታ ክጥምትዎ እንከለዉ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ህዝቢ ሽወደን ግን 13% ጥራይ እዮም ምስዚ ዝሰማምዑ። ብፍላይ 96% ካብ ደገፍቲ ጸጋማዊ ኪዳን ንኣሰራርሓ መንግስቲ ብመጠኑ ድኹም እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ 93% ካብ ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትን 91% ካብ ሰልፊ ሓምለዋይን ድማ ነዚ ገምጋም ዝሰማምዑሉ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com