Sunday , May 5 2024

ኣብ ሽወደን ኣዕሩኽ ምፍጣር ከመይ ይመስል?

Credit: Roza Bicer/Radio Sweden

ኣብ ሽወደን ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ብቐረብ ዘዕልልዎ ዓርከ/መሓዛ የብሎምን ክብል ስታቲስቲክስ ህዝቢ ሽወደን ኣመልኪቱ። እዚ ቁጽሪ ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ብዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ ተባሂሉ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ሽወደን ኣዕሩኽ ኣብ ምፍራይ ዘሕለፍዎ ተመኩሮታት ዳህሳስ ኣካዪዳ’ላ። ብዙሓት ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶም ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን፥ ኣዕራብን ካብ ርሑቕ ምብራቕ እተወልዱን ሰባት ዓሪኾም ከም ዝፈልጡ ይዛረቡ። ሓደ ካብዞም መለስቲ መበቆሉ ካብ ኩርዲስታን ዝኾነ በዛቭ “ከም መጠን ስደተኛ ምስ ህዝቢ ሽወደን ክዓርኽን ክሕወስን ይኸብደኒ እዩ”። ሓደ ካብ ቀንዲ ዕንቅፋታት እዚ ኲነታት ባህላዊ ፍልልያት ከምኡ’ውን ንሓደ ባህሊን ሰብን ከሎ ጌና ከይፈለጥካዮ ምፍራድን እዮም ክብሉ እቶም ተሳተፍቲ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ብፍላይ ኣብ መዳይ ምብዛሕ ገበን ኣብ ስደተኛታት ዘሎ ስእሊ እናኸፍአ ምምጽኡ እቲ ኻልእ ነዚ ኣስተዋጽኦ ጌሩ ዘሎ ኲነታት እዩ። ኣብዚ ጒዳይ ቃለመሕትት ዝገበሩ ሽወደናውያን ብወገኖም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ሰባት ብዙሕ ሽግርን መስገደልን ሓሊፎም ዝመጹ ምስ ምዃኖም ሓቖፍትን ንዂነታቶም ተረዳእትን ክንከውን ይግባእ። ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣኽብሮት ዘየርእዩ ሰባት ምህላዎም ርጉጽ እዩ። እንተኾነ ግና እዞም ሰባት ንዝሰፍሐ ህዝቢ ሽወደን ክውክሉ ክንፈቅድ የብልናን፥ ስደተኛታት ናብ ሕብረተሰብ ሽወደን ንኽወሃሃዱ ኸኣ ዝያዳ ምስራሕ የድልየና ዝብሉ ብዝሕ ዝበሉ ርእይቶታት ተዋሂቦም ኣለዉ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com