Monday , April 29 2024

ደርፊ ABBA “ዋተርሉ” 50 ዓመታ መሊኣ

Credit: Olle Lindeborg/Lehtikuva/TT Nyhetsbyrån

ህቡብ ጒጅለ ሙዚቃ “ኣባ” ኣብ 1974 ኣብ ዩሮቪዥን ዘዐወተቶም ዋተርሉ ዘርእስታ ደርፊ ብቕድሚ ትማል ትማሊ ሰንበት 50 ዓመታ መሊኣ። ድሕሪ ዓወቶም ኣብ ዝነበራ ዓመታት ዓቢ ኣህጉራዊ ተቐባልነት እኳ እንተረኸቡ፡ ሙዚቃ ኣባ ኣብ ሽወደን ከምቲ ናይ ደገ ዘይኮነ ዝተመቓቐለ ርእይቶታት እዩ ዘሎ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ክኢላታት ውሽጢ ዓዲ ን “ሸቐጣዊ” ባህሪ ናይተን ውሩያት ደርፍታቶም ይነቕፉ ኔሮም እዮም። “ኣባ ናይ ኲሉ ግጒይ መንገዲ ትእምርቲ እዮም ኮይኖም ኔሮም ሎሚ ሎሚ ግና ከም ሃገራውያን ጀጋኑ እዮም ዝለዓሉ” ይብል ብዛዕባ ኣባ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዝደረሰ ካርል ማግኑስ ፓልም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com