Tuesday , April 30 2024

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዋና ወለዱ ብግዜኡ ኣይክልውጥን እዩ

Credit: Claudio Bresciani/TT

ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንከን”፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ወለድ ንምንካይ ይጽዕር ከምዘሎ እንተኾነ ግና ክሳብ ሽዑ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ዋና ወለዱ ንግዚኡ ኣብ 4% ከይተቐየረ ይገድፎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪ ሪክስባንክ ኤሪክ ቴዲን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ካብ ዝቕባበ ዝመጽእ ጸቕጢ ኣዝዩ ከምዝቐለለ ብምሕባር፡ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ጽድያ ወለድ ምንካይ ዝብል ሓሳብ ኣብ ግምት ከእትውዎ ከምዘለዉ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com