Friday , May 3 2024

ድሕሪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ቀረብ ይውድኡ

Credit: Adam Ihse/TT

ኣብ ሓድሽ ዓመት ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ብልዕሊ ኣርባዕተ ክሮነር ድሕሪ ምውራዱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ኣብ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ሽወደን ናፍታ ሙሉእ ብሙሉእ ከም እተወድአ ተሓቢሩ፡፡ ። ብዙሓት ዋጋ ነዳዲ ክግደል ክጽበዩ ዝጸንሑ ዓማዊል መካይኖም ንምምላእ ብምጒያያኦም እዩ እዚ ተርእዮ ተኸሲቱ ዘሎ። ዋጋ ነዳዲ ካብ ሓደ ሊትሮ ብኣርባዕተ ክሮና ምጒዳል ምርኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምኽንያት እዚ ምንቁልቋል ምጉዳል ግብሪ ነዳዲ ከምኡ'ውን ትእዛዝ ምንካይ ፈነወ በካሊ ጋዛት እዩ። እዚ ምጒዳል ዋጋ ነዳዲ ንሽወደናውያን ሰብ መካይን ጥራይ ዘይኮነ ስግረ ዶብ ንዘለዉ እዋን ሰሓቢ ኮይኑ ከም እተረኽበ እዩ ግለጽ ዘሎ። ዌይ ኔኦይ ሓደ ካብዚኦም እዩ። ንሱ ብዛዕባ ትሑት ዋጋ ነዳዲ ሽወደን ካብ ሓደ ዓርኩ ምስ ሰምዐ መኪናኡ ነዳዲ ንምምላእ ናብ ሽወደን ምምጽኡ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com