Saturday , April 27 2024

ኣብዚ ዓመት ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዜግነት ተነጺጉ

Credit: Tomas Oneborg

ኣብታ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2023 ቊጽሪ ናይቶም ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ዜግነት ንምቕባል ዘእተዉዎ ሕቶ ዝተነጽገ ሰባት ክብረ ወሰን ዝሓዘ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣመልከትቲ ዜግነት ንጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ስግኣት ዝፈጥሩ እንተኾይኖም ዝምርምር ኣገልግሎት ጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ሳፖ እዩ ። ገበን ናይ ምፍጻም ውጥን ወይ ነዚ ንምግባር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ ብ ሳፖ ዝተገምገመ ሰብ ዜግነት ናይ ምርካብ ዕድሉ ዕጹው ይኸውን ኣሎ። ሓደ ካብዞም ንዜግነት ዘእተዉዎ ሕቶ ዝተነጽጉ ኣዝዮም ብዝሓት ሰባት ኣብ ቦሩዋስ ዝቕመጥ ሑሴን እዩ። ንሱ ኣብ 2014 ምስ ስድራኡ ናብ ሽወደን ኣብ ዝኣተወለን ናይ መጀመርታ ዓመታት ዝቐርቦም ዝነበሩ ሰባት ምኽንያት ብምግባር እዚ ሕቶኡ ከም እተነጽገ ተነጊርዎ’ሎ። ይዂንምበር በዓልቲ ቤቱን ደቁን ሕቶኦም ተቐባልነት ረኺቡ ዜግነት ሽወደን ተዋሂቦም ኣለዉ። ቅድሚ ዓሚ ሕቶ ዜግነት ካብ ዘእትዉ ሰባት ዝተነጽጒ እቶም 500 ጥራይ እዮም ኔሮም፥ ኣብዛ ዝተሰናበትናያ ዓመት ግና ክሳብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ቊጽሪ ተነጸግቲ 600 በጺሑ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com