Friday , May 3 2024

ፍቓድ ስራሕ ንምርካብ 800 ኪ.ሜ ንሰሜን ዝተጓዓዘት ስድራ

Credit: Ulla Engberg/Sveriges Radio

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንፍቓድ ስራሕ ዝድለ መጠን ደሞዝ ክብ ከም ዝብል ድሕሪ ምግባሩ፡ ክሪስነንዱ ማሃልደርን ፖሊ ሳርከርን ምስ ጓል ክልተ ዓመት ጓሎም ካብ ሽወደን ክወጹ ከይግደዱ ብርቱዕ ስግኣት ስለዝሓደሮም፥ ብሽነኽ ሰሜን 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ስከለፍተዮ ስራሕ ብምንዳይ መፍትሒ ምርካቦም ይገልጹ፡፡ በዚ ድማ እዛ ስድራቤት ሕጂ ኣብዚ ሓድሽ ከባቢ እግሪ ኣብ ምትካል ትርከብ ኣላ። “ብዙሕ ዓቐብን ቊልቊለትን ዝመልኦ ጉዕዞ እዩ ነይሩ፡ ኣማስያኡ ግና በቲ ዝኾነ ኣዝየ ሕጉስ እየ” ይብል ክሪነንዱ ማሃልደር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com