Wednesday , May 1 2024

ሽወደን “ካብ ኣርባዕተ ሽወደናውያን እቲ ሓደ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ቻነላት ቲቪ ከም ይርኢ”

Credit: Vilhelm Stokstad

ኣስታት 25% ሽወደናውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ፊልምታትን ተለቪዥንን ከም ዝርእዩ “ሚድያቪዥን” ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ሓደ ዳህሳስ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ ቅድሚ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 20% እዩ ናብ 25% ወሰኽ ኣርእዩ ዘሎ። ብፍላይ ድማ ኣስታት 50% ካብ መናእሰይ ሽወደን ብዘይ ግቡእ ክፍሊት ፊልምን ፕሮግራማት ቲቪን ይርእዩ ኣለዉ። እዚ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ንኢንዱስትሪ ተሌቪዥንን ምዝንጋዕን ብዙሕ ክሳራ ዘስዕብ እዩ ትብል ተንታኒት ሚድያቪዥን ናታልያ ቦረሊየስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com