Tuesday , March 19 2024
Christine Olsson/TT

ኣብያተ መዘክር ሽወደን ን ታሪኻዊ ውርሻታት ዩክሬይን ይሕግዙ።  

ኣብያተ መዘክር ሽወደን ባህላዊ ቅርስታት ዩክሬይን ንምዕቃብ ይፍትኑ ምህላዎም ተገሊጹ። ንኣብነት ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ሃገራዊ ቤተመዘክር  ን ቤተ-መዘክራት ናይታ ኣብ ምዕራብ ዩክሬይን እትርከብ ከተማ ልቪቭ ይሕግዛ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። እዚ ስራሕ ምስ ኣብ ሽወደን ዝርክባ ካልኦት ኣብያተ መዘክር ብምትሕብባር ይካየድ ምህላዉ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ሃገራዊ ቤተመዘክር ሱዛና ፒተርሰን ገሊጻ’ላ። 

“እቲ ኲናት ጅምር ምስ ኣበለ ነተን ኣብ ዩክሬይን ዝርከባ ኣሓት ኣብያተ መዘክራት ደሃየን ከምኡ’ውን ዘድልየን ነገራት ምሕታት ኣየቋረጽናን” ክትብል ሱዛን ፒትርሰን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com