Tuesday , March 19 2024

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ ንመበል 22 ግዜ ተጸምቢሉ ።

ትማሊ  21 ለካቲት ኣህጉራዊ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ ንመበል 22 ግዜ ተጸምቢሉ ኣሎ።ኣብ ገሊኡ ድማ ይጽምበል ክህሉ ትጽቢት ይግበረሉ።ኣብ ሕዳር 1999 ፡ውድብ ትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ባህልን ዓለም ብዝወሰኖ መሰረት፡ካብ 2000 ዓመተ ምህረት ክብዓል ዝጀመረ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ(Modersmål dagen)፡ወዲ ሰብ ብቛንቛ ኣዲኡ ከም ድሌቱ ክዛረብን ክጽሕፍን ንምዝኽኻር ዝዓለመ ኣህጉራዊ ጽምብል ኢዩ።2.3 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ማለት 40% ብቛንቋ ኣዲኡ ክምሃር ዕድል ዘይረኸበ እዩ።

ትምህርቲ ቛንቋ ኣደ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን ብፍታውካ ወይ ምርጫካ፤ኣብ መሰረታዊ ትምህርትን 2ይ ደረጃን እትምሃሮ፡ካብ ብቛንቋ ሽወደነኛ ወጻኢ ዓይነት ትምህርቲ ኢዩ።ዕላማ ናይዚ ትምህርቲ እዚ፤ ተምሃሮ ብመገዲ ቛንቋ ኣዲኦም ኣቢሎም ፍልጠቶም ዘዕብይሉ ሃውህው ንምዕባይ እዩ።ቛንቋ ኣደ ንሓደ ሕጻን ዓቢ ትርጒም ከምዘለዎ ድማ ዝተፈላለዩ መጽናዕቲ ይሕብሩ።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ከከም ደረጀኦም ፤ ብመሰረት ሚንስትሪ ትምህርቲ ሽወደን ዘወጽኦ ውህብ ናይ ትምህርቲ ግዜ ይምሃሩ።

ትምህርቲ ቛንቋ ኣደ፡ስነ-ልቦና ህጻናት ዘሕይል፡መንነት ዝዕቕብ፡ካልእ ቛንቋ ኣብ ትምሃረሉ ክቀለልካ ዝሕግዝ፡ኣማራጺታታ ክህልወካ በሪ ዝኸፍት ብዓቢኡ ድማ ኣብ ስራሕ ዓለም ኣብ ትዋፈረሉ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ይፍለጥ።
በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ስደት ዝተወልዱን ዝውለዱ ዘለዉ ህጻናትን፡ኣብ ንእሰንቶም ምስ ስድራቤቶም ናብ ስደት ዝጉዓዙ ህጻናት ብቛንቋ ኣዲኦም ክዛረቡ ፡ብቛንቋ ኣዲኦም ክኮርዑ ኩሉና ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ።

ኣብ ሽወደን ቆልዑ ኣብ ቤ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣዲኦም ክምሃሩ ዝተዋህበ ዕድል ፡ ህጻናት ብግቡእ ክጥቐምሉ ወለዲ ክሕግዙ፤ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ መምህራን ድማ ልዑል እምነት ብምንጻፍ ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክርእዩ እላቦ።ኣብ’ቲ ስራሕ ዝተዋፈረ ሰብ ድማ ህጻናት ብግቡእ ብምምሃር ሓላፍነቱ ክዋጻእ እጽውዕ።እዚ ስራሕ እዚ ብሓባር ምስ ዝዕመም፡ውጽኢታዊ ከምዝኸውን ኣየጠራጥርን።

ከምቲ ነፍ ኔልሰን ማንዴላ ዝበሎ፣”ንሰብ ብዝርድኦ ቛንቋ ምዝራብ ናብ ርእሱ፡ብቛንቋ ኣዲኡ ምዝራብ ግን ናብ ልቡ።” ክሳብ ዝዃነ፡ ብቛንቋ ኣዴኻ ምዝራብ ከሕብነናን ከኩርዓናን ይግባእ።ብዙሓት ህጻናት ካብቲ ዝነብረሉ ከባብን ፡ካብቲ ንዐኦም ዝመስል ሕብረተሰብን ስኣን ቛንቋ ኣዲኦም ምምላኽ ክንጸሉ ከምዝርኣዩን ነዚ ንምፍዋስ ድማ ኣብ ዘዘለናዩ ኩሉና ቛንቋና ንምዕባይ ክንሰርሕ ከምዘለና የዘኻኽር።

ናይ ሓደ ቛንቋ ኣደ ዕቤት ዝረጋገጽ፡ተዛረብቱ ብዘመስክርዎ ዘይሕለል ስራሕ እዩ።ከም መጽሓፍ ምሕታም፡መሳርሒታት መምሃሪ ምድላው፡ካልኦት ተመሳሳሊ ንጥፈታት እቲ ዓምሙ ዘለኹም ፡ኣብ ኩሉ ዓይነት ቛንቋታት እትነጥፉ ውልቀሰባት ድማ፡በዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ ቛንቋ ኣደ ከመስግን እደልይ።ቛንቋ ኣደ ሓይሊ እዩ! ( Modersmål är en makt. 😍)

መም ዮሴፍ ወርቀ
ስእሊ፤ህጻን መልሕቕ ዮሴፍ ኣብ ግዜ ናይ ቛንቋ ኣደ ትምህርታ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com