Tuesday , March 19 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ናይ ሕልና ደወል (The Inner Voice)

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ከኣ ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ህጻን ከሎኻ፡ ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ፧ ምስ ዚብሉኻ፡ ኣነ ኣይኮንኩን ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ ናይ ምሕሳው ዝንባሌ እንተ ዘይህልወካ ድማ ኣይምሰረቕካን።
ወላዲ! ህጻናት ኪሕስዉ ከለዉ ኣብ ዓይነይ ረኣዩኒ በሎም። ገለ ፍሉያት ዘርኢ (ናይ ሕልናኣም ደወል እተሰብረ ወይ እተበትከ) እንተ ዘይኮይኖም፡ ደፊሮም ኣዒንትኻ ኪጥምቱኻ ኣይክእሉን ኢዮም። ዓይኒ፡ ናይ ነፍሲ መስኮት ኢያ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እታ ናይ ሕልና ደወል ብብዙሕ መገዲ ኢያ እትድወል።

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ትሕሱ ከም ዘሎኻ ብምንታይ ክትፍለጥ ትኽእል?
1. ነቲ ዝሓተካ ዘሎ ሰብ ኣብ ዓይኑ ክትርእዮ ኣይትኽእልን።
2. ኣእዛንካ ኪረስና ይጅምራ
3. መልሓስካ ደርበስበስ ይብል
4. ቀልጢፍካ ትሓርቕ
5. ብውሽጥኻ ትጭነቕ፡ ትፈርህ

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ኣደ ንወዳ ዓሰርተ ቕርሺ ሂባ ደርሆ ዓዲጉ ከምጽኣላ ትእዝዞ። እቲ ወዲ፡ ከምቲ ኣዲኡ ዝበለቶ ደርሆ ዓዲጉ ይመጽእ። ግን ነታ ደርሆ ብሓምሽተ ቕርሺ ኢዩ ዓዲጉዋ። ሽዑ እታ ኣደ፡ ኣንታ እዚኣ ደኣ ኽንደይ ትንእስ? ብኽንደይ ዲኻ ዓዲግካያ? ትብሎ።

እቲ ወዲ ድማ፡ ብዓሰርተ ቕርሺ ይብላ። ሽዑ እታ ደርሆ ብኣጋጣሚ ቃቕ ዚብል ድምጺ ትህብ። እቲ ወዲ ድማ ብፍርሂ እተላዕለ ነታ ደርሆ ዋእ! ብኽንደይ ድየ ደኣ ዓዲገኪ? ይብላ። ሕልናኡ ኢያ ደዊላ!
በዚ ድማ ኣዲኡ ከም ዝሓሰወ ትርዳእ።
ኣምላኽ በታ ደርሆ ገይሩ ዲዩ ተዛሪቡዎ?!!!

ናብ ሰማይ ጠምት (The Final Judge)

ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ተንሲኡ ንወዱ፤ ተመልሶ ወደይ፡ ተንስእ፡ ናብዛ ቐረባ ዓዲ በጺሕና ክንምለስ ኢና በሎ።
ተመልሶ ድማ ባዕጊጉ፡ ኣቦ፡ ከውታ ለይቲ ደኣ እንታይ ክንገብር ኢና ናብ ቀረባ ዓዲ እንኸይድ በሎ። ግን ከኣ ንኣቦኡ ስለ ዘኽብሮ ተንሲኡ ክዳኑ ወድዩ ምስ ኣቦኡ ንደገ ወጸ። ኣቦኡ ኣድጉ ኣኸቲሉ ወዱ ድማ ብጐድኑ ዘብዘብ እናበሉ መገዶም ቀጸሉ። ወርሒ ደሚቓ ወጺኣ ስለ ዝነበረት ኩሉ ብንጹር ይረኣዮም ነበረ።
ኣብቲ ማዕዶ ዓዲ ኣብ ክብ ዝበለ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እቲ ኣቦ፡ ንጸጋም ንየማን ንታሕቲ ጠመተ።

ሽዑ እቲ ቘልዓ፡ ኣቦኡ ኪሰርቕ ከም ዝመጸ ኣስተብሃለ፡ ናይ ሕልናኡ ደወል ድማ ተደወለ፥
ኣቦ፡ ናብ ኩሉ ወገን ጠሚትካ፡ ግን ሓንቲ ቦታ ኣላ ገና ዘይጠመትካያ” በሎ።
እቲ ኣቦ ድማ ብምግራም ኣየነይቲ ቦታ? ኪብል ሓተቶ።
እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ሰማይ ገጽካ ኣይጠመትካን በሎ።
ሽዑ እቲ ኣቦኡ ብዙሕ ሓዘነ። ኪሰርቕ ከሎ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ ይርእዮ ከም ዘሎ ኪርድኦ ጀመረ። ኣድጉን ወዱን ሒዙ ድማ ናብ ዓዱ ተመልሰ።

ካብ ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ጽውጽዋይ እተራዕመ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com