Wednesday , May 1 2024

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING

ከምቲ እቲ ቃል ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን እቲ ንኻልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ዚምልከት ምረቓ ከም ዓቢ ፍጻመ ኢዩ ዚቝጸር።

UTSPRING ኡትስፕሪንግ ካብ ut (ንደገ) + springa (ምጉያይ) ዝመንጨወ እዩ። “ምጉያይ” ወይ “ናይ ምረቓ ሸበድበድ” ኢልካ ክትትርጉሞ ይከኣል ኢዩ።

ኣብ መዓልቲ ምረቓ፡ ተማሃሮ ብተለምዶ ክፍሊ ብኽፍሊ ካብ ህንጻ ቤት-ትምህርቲ ወጺኦም ይጎዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይቲ ተመሃራይ ቆልዓ ከሎ ዘርኢ ስእሊ ዘለዎ ፖስተራት ዝሓዙ ጉጅለታት ስድራቤትን ፈተውትን ኣብ ደገ ኾይኖም ይጽበዩዎም።

እቲ ልምዲ፡ ተማሃሮ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቶም ዚወስዱዎ ናይ መወዳእታ ፈተና ዚምልከት ኮይኑ ኣብ 1960ታት ኢዩ ተጀሚሩ። ሽሕኳ ሕጂ እቲ መንቀሊ ከምኡ እንተ ዘይኮነ፡ እቲ ምጕያይ ግን ገና ይቕጽል ኣሎ።

ተማሃሮ ብተለምዶ ጻዕዳ (ንደቂ ኣንስትዮ) ከምኡ’ውን ኮስትሞ (ንደቂ ተባዕትዮ)ን ቆብዕ ባሕረኛታትን ኢዮም ዘዘውትሩ። እቲ ጽምብል ምስቲ ናይ ምጕያይ ፍጻመ ደው ኣይብልን’ዩ፤ ኣብ ሽወደን ንኻልኣይ-ደረጃ ዚምልከት ጽምብል ከም ዓቢ ነገር እዩ ዚቝጸር፣ ኣብታ መዓልቲ እቲእ ድማ እቶም ተማሃሮ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን (በጣሓት) ወይ መንሳፈፊ ተሰቒሎም ኣብ ከተማ ይዞሩ። እቲ ድግስ ድማ ክሳዕ ምሸት ይቕጽል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com