Wednesday , May 1 2024

ኡፕሳላን ኪሩናን ንርእሰ ከተማነት ባህሊ ኤውሮጳ ክወዳደራ

Credit: Pontus Lundahl/TT, Hanna Franzén

ሽወደንን ፖላንድን ኣብ 2029 ሓንቲ ርእሰ ከተማ ባህሊ ኤውሮጳ ከአንግዳ እየን። ኣብ ሽወደን ክልተ ከተማታት ማለት ኣብ ማእከላይ ሽወደን እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላን፡ ካብ ዓንኬል ኣርክቲክ ልዕል ኢላ እትርከብ ከተማ ኪሩናን ነዚ ክብሪ መን ዝያዳ ትበቅዕ ኣብ ውድድር ይርከባ ኣለዋ። ኣካያዲ ፕሮጀክት ምምሕዳር ኡፕሳላ ፓትሪክ ኪራሊ ከተማኡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንነት ንምድላይ ኣብ ጻዕሪ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ “ን ፓሪስ ወይ ሮማ ንምምሳል ኣይኮንናን ንፍትን ዘሎና” ክብል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com