Thursday , May 2 2024

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ካብ 50 ሽሕ ይሓልፍ

ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራዊ ሩስያ ቊጽሮም 50 ሽሕ ምሕላፉ ቢቢሲ መርትዖታት ምርካባ ገሊጻ። ብፍላይ ድማ ዓሚ ሞስኮ እተኸተለቶ ወተህደራዊ ስትራቴጂ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብኣስታት 25% ዝለዓለ ዝለዓለ ዋጋ ከም ዘኽፈላ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። ቢቢሲ ሩስያ፣ ናጻ ጉጅለ ሚድያ ሚድያዞናን ወለንተኛታትን ካብ ለካቲት 2022 ጀሚሮም ቊጽሪ ምዉታት ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ምቚጻር ክነጥፉ ምጽንሖም ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ መካነ መቓብር ዝተረኽበ ሓበሬታ ቊጽሪ ምዉታት ወተሃደራት ንምምዝጋብ ሓጊዙ እዩ። ብዘይካዚ ካብ ወግዓዊ ጸብጻባት፡ ጋዜጣታትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝተረኽበ ክፉት ምንጪታት ነዚ ሓበሬታ ግብኣት ብምዃን ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ካልኣይ ዓመት ውግእ ልዕሊ 27,300 ወተሃደራት ሩስያ ሞሟቶም ምንጭታት ቢቢሲ ምሕባሮም፥ እዚ ድማ ወተሃደራዊ ዓወታት ሩስያ ብኸቢድ ሰብኣዊ ክሳራታት ከመይ ምዃኑ መርኣያ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ሩስያ ነዚ ኣሃዝ ብዝምልከት ርእይቶ ክትህብ ኣይደለየትን። ሩስያ ብዘይዕረፍቲ ማዕበል ወተሃደራት ንቕድሚት ብምልኣኽ ዝልል ቅዲ ኲናት ምኽታላ እዩ ዝግለጽ። እዚ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬይን ልዕሊ 50 ሽሕ ሰብኣዊ ክሳራ ከም ዘጋጠማ ዝገልጽ ጸብጻብ፥ ካብቲ ኣብ መስከረም 2022 ብሞስኮ ዝተዋህበ ወግዓዊ ኣሃዝ ብሸሞንተ ዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። እቲ ጭቡጥ ቁጽሪ ሞት ሩስያውያን ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ትንታነ ቢቢሲ ኣብተን ብሩስያ ዝተጎበጣ ዶኔትስክን ሉሃንስክን – ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን  ዝተቐትሉ ወተሃደራት ዘጠቓልል ኣይኮነን። እዚ እንተዝውስኽ ብወገን ሩስያ ዘሎ መጠን ሞት ቁጽሪ ካብዚ ዝዓቢ እዩ። እዚ እናኾነ ዩክሬን፡ ብዛዕባ መጠን ኣብ ኲናት ዝሞቱ ወተሃደራታ ዛጊት ሃንሳብ ጥራይ እያ ኣሃዝ ኣቕሚጣ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን ካብ ስለያ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ግምታት እቲ ክሳራ ካብዚ ኣጸቢቑ ከም ዝልዕል እዩ ዝሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com