Wednesday , May 1 2024

ሱፖ፡ ሩስያ ኣብ ፊንላንድ ንሃገራዊ ድሕነት ዝዓበየት ሓደጋ ኮይና ትቕጽል ኣላ

(Sputnik, Kremlin Pool Photo via AP) XAZ918

ሩስያ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ፊንላንድእታ ዝዓበየት ሓደጋ ኮይና ትቕጽል ከምዘላ ኣገልግሎት ጸጥታን ስለያን ፊንላንድ (ሱፖ) ሓቢሩ። ሱፖ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሩስያ ንፊንላንድ ከም ዘይምሕዝነታዊት ሃገር ከም እትቖጽራን ኣንጻራ ስለያዊን ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ናይ ጽልዋ ጎስጓሳትን ምክያድ ከም ዝቐጸለትሉን ኣዘኻኺሩ። ፊንላንድ ብዘካየደቶ ዓጸፌታዊ ጻዕርታት ጸረ ስለያ፡ ምስጓግ ሓለፍቲ ስለያን ጽኑዕ ፖሊሲ ቪዛን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኣተን ኣገራት እናኽፍአ መጺኡ’ሎ። እታ ሃገር ኣብ ኔቶ ብዘለዋ ኣባልነት ተወሳኺ ሓያል ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ክትቂጠብ ዝቅስብ እዩ። ሩስያ ኣብ ዶብ ፊንላንድ ዘሎ ሓድሽ ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ጸጥታን ዘይዕግበት ከም ዘለዋ ሱፖ ይገልጽ። ንኣብነት እታ ሃገር፡ ፊንላንድ ምሕዝነታዊ ዘይኮነ መርገጺ ምሓዝ ዘስዕቦ ሳዕቤን ንምርኣይ፡ ስደተኛታት ሳልሳይ ሃገራት ተጠቒማ ኣብ ዶብ ፊንላንድ ጸቕጢ ክትገብር ጸኒሓ’ላ። ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣቀራርባኣ ዳግማይ ክትሓስበሉ እትኽእለሉ ምኽንያት ከምዘይብላ ሱፖ ይሕብር። “ንስደተኛታት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ዝጸንሐ ኣሰራራሓ ሩስያ እዩ። ሩስያ በዚ ኣቢላ እያ ንፊንላንድ ኣብ ትቲ ጽልዋኣ ክትጸንሕ ትደልያ” ክብል ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ሱፖ ቲሙ ቱሩነን ርእይቶኡ ሂቡ። ሱፖ ብወገኑ፡ ፊንላንድ ሎሚን ኣብ ነዊሕ እዋንን
ንዝፍጸም ውዲተኛ ንጥፈታት ክትዳሎ ኣተሓሳሲቡ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሩስያ ዝቕመጡ ፊንላንዳውያን ክስታት ስለያን ምምንዛዕ ንብረትን ከተካይድ ከም እትኽእል ቱሪን ኣዘኻኺሩ። በዚ ድማ ሰባት ናብ ሩስያ ካብ ምጉዓዝ ክቑጠቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክመክር ጸኒሑ’ሎ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com