Sunday , May 5 2024

ፊንላንድ፥ ዋጋ ኣባይቲ የንቈልቊል

Credit: Fredrik Persson/TT

ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ዝሓለፈ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ዋጋታት ዝኣረገ ኣባይቲ ኣብ ኩባንያታት ኣባይቲ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት  ኣብ ቫንታ ብ 10.4%፡ ኣብ ሄልሲንኪ ብ7.1%፡ ኣብ ኦውሉ ድማ ብ 6.8% ከምዝወረደ ሓቢሩ። ሽዱሽተ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 6.1% ምንቁልቋል ክምዝገባ እንከለዋ፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 6.7%፥ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ዝርከባ ከባቢታት ግን ካብ 4.4% ምጒዳል ኣመዝጊበን። ከምኡ’ውን መጠን መሸጣ ነክዩ፡ ወከልቲ ኣኣባይቲ ኣብ ለካቲት 2024 ካብቲ ኣብ ለካቲት 2023 ዝነበረ ብ15% ዝወሓደ ድለላ ተራእዩ እዩ። እዚ መባእታዊ መረዳእታ ገለ ተስፋ ምህላው ዘመልክት እዩ። ዋጋታት ዘገልገል ኣባይቲ ኣብ ኩባንያታት ኣባይቲ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብ1.4% ወሰኽ ኣርእዩ፡ ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት እውን ወሰኽ ምምዝጋቡ ተጸብጺቡ’ሎ። “ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ዞባ ርእሰ ከተማን ወጻእን ምይያር ዋጋታት ገዛውቲ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝሓሸ እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ዓመት ዝተዓዘብናዮ ምዕባለ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ መቐይሮ ዓመት ኣብ ተግባር ዝወዓለ ለውጢ ሕጊ ግብሪ እዩ። እዚ
ድማ ሽመትቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ስጉምቲ ክወስዱ ዘተባብዐ” ላዕለዋይ ክኢላ ስነ-ቑጠባ ኦፒ ፋይናንሻል ግሩፕ ጁና ዊድግረን ን ሄልሲንጊን ሳኖማት ገሊጹ። “[እቲ ለውጢ] ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ—ለካቲት ዘጋጠመ ዝተሓተ መጠን መሸጣ ዘመልክት እዩ” ይብል። ዋጋታት ኣባይቲ ካብቲ ወሃብ ኣገልግሎት ፋይናንስ ዝሓሰቦ ቁሩብ ዝሓሸ ግዜ እኳ እንተመጾ፥ ዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ምሕዋይ ግን ኣብ ንጥፈታት ዕዳጋ
ዝምርኮስ ምዃኑ ዊድግረን ይዛረብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com