Saturday , April 27 2024

ጃፓን፥ ነፈርቲ ኲናት ክትሸይጥ እያ

(AP Photo/Thanassis Stavrakis) XPG107

ካቢነ ሚኒስተራት ጃፓን እታ ሃገር ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ብሓባር እተማዕብለን ዘላ ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእ ንሰደድ ክውዕላ ኣጽዲቑ፡ እዚ ድማ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እተኸተለቶ ናይ “ሰላማውነት” ፖሊሲ ትወጻእ ምህላዋ ዘመልክት እዩ። እዚ ውሳነ ባይቶ ጃፓን እታ ሃገር እተን ጀት ነፈርቲ ናብተን ውዕል ምክልኻል ዝፈረመትለን፡ ከምኡ’ውን ግጭት ናብ ዘይብለን ሃገራት ክሽየጣ ንምፍቃድ ንሕግታት ሰደድ ኣጽዋር ዝቐለለ ክኸውን ጌሩ’ሎ። ጃፓን ቻይናን ሰሜን ኮርያን ዘምጽኣላ ጸጥታዊ ስግኣት ብምጥቃስ ክሳብ 2027 ወተሃደራዊ ወጻኢታታ ብዕጽፊ ክትውስኽ ቃል ኣትያ እያ። ኣብ ታሕሳስ 2022 ጃፓን ነዛ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ከምኡ’ውን ምዕቡል ሴንሰራትን ተጠቒማ ንፓይለታት ክትሕግዝ እትኽእል ሓዳስ ነፋሪት ኲናት ንምምዕባል፥ ምትሕብባር ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ኣብ ረባ ምውዓላ ገሊጻ’ላ። እተን ነፈቲ ኲናት ክሳብ 2035 ናብ ዕዳጋ ክዋፈራ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እዚ ቶክዮ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ምስ ካልእ ሃገራት ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ሽርክነት ምምዕባል ኣጽዋር እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፉሚዮ ኪሺዳ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ኣሜሪካ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት፡ ቶክዮ ምስ ዋሽንግተን ዘለዋ ምሕዝነት ምክልኻል ከተደልድል ዘለዋ ድልውነትን ዘጉልሕ እይ ተባሂል’ሎ። ኪሺዳ ብተወሳኺ፡ ቶክዮ ኣብ ካልኦት መጻኢ ኣህጉራዊ ፕሮጀክትታት ምክልኻል ከም መሻርኽቲ ዘለዋ ተኣማንነት ንምዕቃብ፡ ነፈርቲ ውግእ ናብ ሳልሳይ ሃገራት ንምልኣኽ ምፍቃድ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣፈኛ መንግስቲ ዮሺማሳ ሃያሺ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጸጥታ ሃገርና ኣገደስቲ ዓቕሚ ዘለወን ነፈርቲ ውግእ ንምግባር ዝወጸ ውጥን፡ ምክልኻል ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይኣቱ ከረጋግጽ ኣለዎ ኢሉ። ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ሚኖሩ ኪሃራ ግን ጃፓን ንሰደድ ኣገዳሲ ውሳነ ከም እተሕልፍ እንተኾነ ሕጂ ውን ን መሰረታዊ ፍልስፍናኣ ማለት ሰላማውነት ኣተኲሮ ከም እትገብረሉ ኣነጺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com