Sunday , May 12 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ምፍንጃር “ኖርድ ስትሪም” ኣገደስቲ ገመዳት ኤለትሪክ ኣዕንዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ ኣብ “ኖርድ ስትሪም” ብሰንኪ እተኸስተ ምፍንጃር መትረብ ጋዝ፡ ኣስታት 500 ሜትሮ ዝንውሓቱ ገመድ ኤለትሪክ ዓንዩ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ መፍረ ጸዓት ሽወደን ዝቈጻጸር በዓልመዚ “ስቨንስካ ክራፍትናት” ንህዝባዊ ኣገልግሎት TV ስቨሪገስ ኣፍሊጡ። “ስቨንስካ ክራፍትናት” ከምኡ’ውን ፖላንዳዊ መዘናኡን ነቲ “መራኸቢ ስወፖል” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገመድ ኤለትሪክ ዕንወት በጺሕዎ ኣሎዶ ንምርግጋጽ ክኢላታት ጸዊዖም ኣለዉ። እዚ መራኸቢ ገመድ፡ ኤለትሪክ ንምስዳድን ንምሽማትን ዝውዕል …

Read More »

ሓሙሽተ ሰልፊታት ባይቶ፡ ሽወደን ንበጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ።

ካብተን ሸሞንተ ሰልፊታት ባይቶ እተን ሓሙሽተ፡ ሽወደን ኣብነት ፊንላንድ ብምስዓብ ንበጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ TV4 ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ግና፡ ብዕቤቶም ኣብ ቀዳማይን ሳልሳይን ዝስርዓ ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ሞደራትናን ነዚ ሓሳባት ተቓዊሞሞ ኣለዉ። ሰልፊታት ሊበራል፡ ሓምላይ ከምኡውን ጸጋማይ ብወገኖም ሽወደን ን በጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ ዝብል ሓሳብ ዝሰማምዕሉ እኳ እንተኾኑ፡ ንመንግቲ ሩስያ ዝቃወሙን ነታ ሃገር ክገድፉ ዝደልዩን ባእታታት ኲነታት ክመቻችኣሎም …

Read More »

ኣገልግሎት ምኽሪ ምቚጣብ ጸዓት ዝህቡ ክኢላታት ብጠለብ ዓቕሎም ይጸቦም።

ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ እናወሰኸ ምምጽኡ ብዘስዓቦ ሻቕሎት፡ ናብቶም ፍሉይ ናጻ ኣገልግሎት ምኽሪ ምቚጣብ ጸዓት ህህቡ ክኢላታት ቆንስላት ውሽጢ ሃገር ዝግበር ጠለብ ከም ዝወሰኾ ተገሊጹ። ከምዚ ዝመሰል ብዝሒ ጠለብ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ኣብ ቆንስል ከተማ ማልም ኣማኻሪት ክሊማን ጸዓትን ፓውላ ብዮርክ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ሓቢራ’ላ። "ጠገለ ዘይብሉ እዩ፡ ሓንቲ ተቐቢልካ ምስ ወዳእካ ንእለቱ ካልእ ይስዕብ ኣሎ፡ ዕረፍቲ ዝበሃል …

Read More »

ኣብ ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት ከበድቲ ጸገማት ይረኣዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ፍሉያት ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት፡ ከበድቲ ሽግራት ይኽሰቱ ምህላዎም፡ ምክትታል ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ሽወደን (IVO) ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ነዚ ዝበለ ድሕሪ ዘካየዶ ምክትታል ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣባይቲ ሽማግለታት ፍሉይ ክንክን ንዘድልዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዛውንቲ ተባሂሉ ዝቖመ ኣፓርትመንታት ኮይኑ፡ ተቐማጦ እዞም ኣባይቲ ብውልቆም ሓገዝ ኣገልግሎትን ክንክንን ከም ዝወሃቦም ዝፍለጥ እዩ። ካብ ሓሙሽተ ተጠቀምቲ እዚ ክንክን እቲ ሓደ፡ ዘይምቹእ መድሃኒት ከም ዝወስድ፡ ስድራቤቶም …

Read More »

ኣብ ቪስቢ እተኻየደ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ንኣኒ ሉፍ ሸቶ ዝገበረ እዩ ኔሩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ደሴት ዮትላንድ ቪስቢ ኣብ እተኻየደ ቅነ ፖለቲካ ዝተፈጸመ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ፡ ን መራሒት ማእከላይ ሰልፊ ኣኒ ሉፍ ሸቶ ዝገበረ ምንባሩ፡ ሬድዮ ሽወደን ን ኣኽበርቲ ሕጊ ብምጥቃስ ገሊጻ። ሉፍ ከም በዓልቲ ጒዳይ መጠን፡ ኣብቲ ጒዳይ ሕጋዊ ምኽሪ ክወሃባ ምሕታታ– ኣኽባር ሕጊ ሀንሪክ ኦሊን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ሽወደን ኣወሃሃዲት ጒዳያት ስነኣእምሮ፡ ኢንግ ማሪ ቬስለግረን፡ ኣብ ሓምለ …

Read More »

ኮኾብ ሙዚቀኛ ዮተበሪ ሄልስትሮም ኣብ ኡለቪ ስታድዬም ምርኢት ከቕርብ እዩ።

48 ዝዕድሜኡ ሽወደናዊ ደራፋይ ሃካን ሄልስትሮም፡ ን ሰሙናት ኣብ ዝቕጽል ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርብ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ፡ ርብዒ ሚልዮን ህዝቢ ከዘንናግዕ ኣብ ስታድዬም ኡለቪ ተዳልዩ ምህላዉ እውን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ብቋንቋ ኣዲኡ ሽወደንኛ ዝደርፍ ሃካን ሄልስትሮም፡ ካብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ወጻኢ ብዙሕ ተፈላጥነት እኳ እንተዘይብሉ፡ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ብፍላይ ድማ ኣብ ዮተበሪ ዓብዪ ተቐባልነት ዘለዎ ስነጥበበኛ እዩ።

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ቫርትላንድ ዝርከብ መስጊድ ን ምሕፋዝ ቊርኣን ካብ ኩዌት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተዋሂቡ።

ኣብ ኖርወይ ቫርትላንድ ዝርከብ መስጊድ፡ ንምሕፋዝ ቊርኣን ብዝብል ምኽንያት ካብ ኩዌይት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምርካቡ ጸብጻባት ጒባኤ እስላማዊ ፈደሬሽን ኣመልኪቶም። እዚ ኣልራሕማን ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ኩዌት ምስ ዝርከብ ኣኽዋን ኣል-ኢስላም ርክብ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ኣብ ጋዜጣ ቫርት ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻባት፡ እቲ ማሕበር ኣብ 2021 ልዕሊ 100,000 ክሮና ኖርወይ ተቐቢሉ’ሎ። ኣኽዋን ኣል-ኢስላም፡ ኣብ 1920ታት ኣብ ምስሪ ዝተመስረተ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ …

Read More »

ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ከም እተቐየረት ተገሊጹ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ቅሉዕ ወራር ካብ እትፍኑ 6ይ ወርሑ መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ዩክሬናውያን ብስደት ናብ ሽውደን ምእታዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ክስተት ንሽወደን ብብዙሕ መዳይ ከም ዝቐየራ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ለውጢ፡ ካብ ጒዳያት ምክልኻልን ወጻኢ ርክባትን ኣትሒዝካ፡ ክሳብ ቊጠባዊ ኲነታት ዝምልከት እዩ። ሓደ ካብ ወሰንቲ ለውጢታት እዚ ወራር፡ ሽወደን ካብ ዘይሻራዊ ፖሊሲኣ ወጺኣ ኣባል ወተሃደራዊ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ 2040 ካብ ብከላ ፕላስቲክ ናጻ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ። 

ዝሓለፈ ሰኑይ ኖርወይን ሩዋንዳን ብከላ ፕላስቲክ ንምውጋድ ልፍንታዊ ተበግሶ ምውሳደን ተፈሊጡ። ዕላማ ናይዚ ልፍንቲ ኣብ ዝቕጽል 18 ዓመታት ነዚ ሽግር ጨሪስካ ንምጥፋእ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ድሌት ዘለወን ሃገራት ብምጥርናፍ ውጽኢታዊ ከባብያዊ ውዕላት ኽፍጸም ብዝብል ንሕና ተበግሶ ወሲድና ኣሎና። እዚ እንድሕር ተግባራዊ ኮይኑ ኣብ 2040 ካብ ብከላ ፕላስቲክ ናጻ ዝኾነ ኣከባቢ ክንፈጥር ክንክእል ኢና” ክብል ሚኒስተር ክሊማን ኣከባቢን ኤስፐን ባርዝ ኣይደ፡ ኣብ …

Read More »

ኲናት ዩክሬይን ሻዱሻይ ወርሑ ሒዙ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ኣስታት 44 000 ዜጋታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዕቚባ ምሕታቶም ወይ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ከም እተፈቕደሎም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ እተኸስተ ወራር፡ ዜጋታት ዩክሬይን ኣብ ሃገራት ሸንገን ዕቚባ ክረኽቡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ሓለዋ መምርሒ ምትሕልላፉ ዝዝከር እዩ። ኣልዮናን ጓላን ኣብ ወርሓ መጋቢት እየን ንሽወደን ኣትየን። ክሳብ ሕጂ ስራሕ ኣብ ምርካብ ተሸጊራ ምህላዋ እንተኾነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com