Tuesday , April 30 2024
Center Party leader Annie Lööf. Foto: Jonas Ekströmer/TT kod 10030

ኣብ ቪስቢ እተኻየደ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ንኣኒ ሉፍ ሸቶ ዝገበረ እዩ ኔሩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ደሴት ዮትላንድ ቪስቢ ኣብ እተኻየደ ቅነ ፖለቲካ ዝተፈጸመ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ፡ ን መራሒት ማእከላይ ሰልፊ ኣኒ ሉፍ ሸቶ ዝገበረ ምንባሩ፡ ሬድዮ ሽወደን ን ኣኽበርቲ ሕጊ ብምጥቃስ ገሊጻ። ሉፍ ከም በዓልቲ ጒዳይ መጠን፡ ኣብቲ ጒዳይ ሕጋዊ ምኽሪ ክወሃባ ምሕታታ– ኣኽባር ሕጊ ሀንሪክ ኦሊን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ሽወደን ኣወሃሃዲት ጒዳያት ስነኣእምሮ፡ ኢንግ ማሪ ቬስለግረን፡ ኣብ ሓምለ 6 ኣብ ቪዝቢ ኣብ ዝተገበረ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ምሟታ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com