Tuesday , April 30 2024

ኣብ ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት ከበድቲ ጸገማት ይረኣዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ፍሉያት ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት፡ ከበድቲ ሽግራት ይኽሰቱ ምህላዎም፡ ምክትታል ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ሽወደን (IVO) ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ነዚ ዝበለ ድሕሪ ዘካየዶ ምክትታል ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣባይቲ ሽማግለታት ፍሉይ ክንክን ንዘድልዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዛውንቲ ተባሂሉ ዝቖመ ኣፓርትመንታት ኮይኑ፡ ተቐማጦ እዞም ኣባይቲ ብውልቆም ሓገዝ ኣገልግሎትን ክንክንን ከም ዝወሃቦም ዝፍለጥ እዩ።

ካብ ሓሙሽተ ተጠቀምቲ እዚ ክንክን እቲ ሓደ፡ ዘይምቹእ መድሃኒት ከም ዝወስድ፡ ስድራቤቶም ብዛዕባ ኲነታት ጥዕናኦም ዝግባእ ሓበሬታ ከም ዘይወሃቦም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣባላት ስታፍ ጒዳይ ቋንቋ ን ድሕነት ሕሙማት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ክኸውን ከም ዝኽእል– IVO ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com