Tuesday , May 21 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ምፍንጃር “ኖርድ ስትሪም” ኣገደስቲ ገመዳት ኤለትሪክ ኣዕንዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ ኣብ “ኖርድ ስትሪም” ብሰንኪ እተኸስተ ምፍንጃር መትረብ ጋዝ፡ ኣስታት 500 ሜትሮ ዝንውሓቱ
ገመድ ኤለትሪክ ዓንዩ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ መፍረ ጸዓት ሽወደን ዝቈጻጸር በዓልመዚ “ስቨንስካ ክራፍትናት” ንህዝባዊ
ኣገልግሎት TV ስቨሪገስ ኣፍሊጡ።
“ስቨንስካ ክራፍትናት” ከምኡ’ውን ፖላንዳዊ መዘናኡን ነቲ “መራኸቢ ስወፖል” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገመድ ኤለትሪክ ዕንወት
በጺሕዎ ኣሎዶ ንምርግጋጽ ክኢላታት ጸዊዖም ኣለዉ። እዚ መራኸቢ ገመድ፡ ኤለትሪክ ንምስዳድን ንምሽማትን ዝውዕል እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ኣገልግሎት ወጽኢ እኳ እንተኾነ፡ መፍረ ኤለትሪክ ውሽጢ ሃገር ሽወደን ምስ ዝትሕት ካብ ወጻኢ ንምሽማት
ዘኽእል ገመድ ምንባሩ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com