Tuesday , April 30 2024

ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ከም እተቐየረት ተገሊጹ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ቅሉዕ ወራር ካብ እትፍኑ 6ይ ወርሑ መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ዩክሬናውያን ብስደት ናብ ሽውደን ምእታዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ክስተት ንሽወደን ብብዙሕ መዳይ ከም ዝቐየራ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ለውጢ፡ ካብ ጒዳያት ምክልኻልን ወጻኢ ርክባትን ኣትሒዝካ፡ ክሳብ ቊጠባዊ ኲነታት ዝምልከት እዩ። ሓደ ካብ ወሰንቲ ለውጢታት እዚ ወራር፡ ሽወደን ካብ ዘይሻራዊ ፖሊሲኣ ወጺኣ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ-ክትከውን ምምልካታ ተጠቃሲ እዩ።

“ብሰንኪ እዚ ወራር፡ እቲ ብያታ ኣብ ሽወደን ዝነበረ ፍርሂ ሩስያ ደጊሱ’ሎ ክበሃል ይከኣል እዩ” ክብል ፕሮፌሰር ሊ ቤኒች-ብሾርማን ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com