Monday , May 20 2024

“ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እገዳ ቀረብ ኣጽዋር ክትገብር ተኽእሎ ኣሎ” ባይደን

President Joe Biden (AP Photo/Andrew Harnik) DCAH138

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ራፋሕ ዓብዪ ምድራዊ ስርሒት እንተጀሚራ ገለ ሰደድ ኣጽዋር ከም ዝቋረጽ ክትገብር ምዃና ኣጠንቂቑ። ንሱ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እስራኤል ናብ ራፋሕ እንተኣትዮም፡ ነቲ ምስ ራፋሕ ንምግጣም ዝጥቀመሉ ዝነበረ ቀረብ ኣጽዋር ከነቋርጽ ኢና ኢሉ። ወሲኹ ድማ ይዂንምበር እስራኤል ውሑስቲ ክትከውን ምስራሕ ክንቅጽለሉ ኢና ኢሉ። እዚ ተሪር ድምጽን ተቓውሞ ኣመሪካ እንተሃለወ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ሰፊሕ ወራር ክትገብር ዘንቀደት እያ ትመስል። እቲ ሰባት ብጻዕቂ ዝቕመጥዎ ደቡባዊ ቓዛ፡ ኣብቲ መሬት ናይ መወዳእታ ጽኑዕ ዕርዲ ሓማስ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣብታ ከተማ -ካብ ካልእ ክፋላት ቓዛ ብዝመጹ ስደተኛታት ምልእ ኢላ ምስ ምህላዋ፥ እዚ ብእስራኤል ዝካየድ ስርሒት ሰፊሕ ክሳራ ሲቪላውያን ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ባይደን ኣብቲ ትማል ረቡዕ ኣብ ቴሌቪዥን ዝቐረበ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እገዳ ቀረብ ኣጽዋርን ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ’ሎ። ኣሜሪካ ንህሉው ኩነታት ራፋሕ ከም ናይ መሬት ስርሒት ጌራ ከም እይትርእዮ ሓቢሩ’ሎ። ናብ ማእከላት ህዝቢ ጌና ኣይኣተዉን። እቲ ዝገበርዎ ዘለዉ ኣብ ዶብ ዝተሓጽረ እዩ ድሕሪ ምባል ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናታንያሁን ካቢነ ሚኒስተራቱን ናብዘን ማእከላት ህዝቢ እንተኸይዶም፡ ደገፍና ከምዘይረኽቡ ብንጹር ገሊጸሎም እየ ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ባይደን ኣብዚ ቃለመሕትት ኣጽዋር ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ምቕታል እስራኤል ከምዝተጠቕመትሎም ተኣሚኑ እዩ። እስራኤል ቀይሕ መስመር ሰጊራ ድያ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ግና ገና ኣብኡ ኣይተበጽሐን ኢሉ እዩ መሊሱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com