Monday , May 20 2024

ኖርወይ፥ ዕዳጋ ኣባይቲ ይበራበር

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝያዳ ሸየጥትን ዓደግትን ናብቲ ምድኻም ዘርኣየ ዕዳጋ ኣባይቲ ኖርወይ ኣትዮም፡፡ ደላሎ ኣባይቲ ድማ ድሕሪ
ኣዝዩ ዝሑል ዊንተር ዕዳጋ ዳግማይ ብምርባሩ፥ ኣብ መንጎ ቀረብን ጠለብን ከኣ ዝሓሸ ሚዛን ከምዘሎ’ዮም ይዛረቡ።
ኣካያዲት ዳይረክተር ናይቲ ፕራይቫትመግለረን ዝበሃል ናይ ኣባይቲ ደላሎ ግሬት ማየር ንጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንግስሊቭ (ዲኤን) ኣብ
ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ብዙሓት ኣባይቲ ንመሸጣ ተዳልዮም ኣለዉ” ኢላ። መላእ ሃገር ካብቲ “ኣሰልቻዊ” ቀዳማይ ርብዒ ዓመት
“ትበራበር ኣላ” ክሳብ ምባል እውን በጺሓ እያ። እዚ ምብርባር ዕዳጋ ኣባይቲ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኖርወይ ብዛዕባ
ዘይርጉጽ ወለድን ዋጋታት ኣባይቲን ልዑል መጠንቀቕታታት ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ሓያሎ ሸየጥቲ ዋጋታት ኣባይቲ
ከጉድሉ በዚ ኲነታት ተገዲዶም ኣለዉ። ማየርን ካልኦት ደላሎን ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ዋጋታት ኣባይቲ
ብማእከላይ ገምጋም 5.9% ከምዝወሰኸ ኣመልኪቶም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com