Monday , May 20 2024

ሰለስተ ገበነኛታት ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ካብ ማእከላይ ክፋላት ከተማ ዮተቦሪ ተኣጊዶም

Credit: Adam Ihse/ TT, Maen Hermez/ Sveriges Radio

ፖሊስ ማእከላይ ዮተቦሪ፡ ኣባላት ጒጅለታት ገበን ዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት ኣብ ዝተወሰኑ ህዝባዊ ቦታታት እታ ከተማ ከይእከቡ ንምዕጋት ሓድሽ ኣገባብ ይጥቀሙ ኣለዉ ተባሂሉ። ዝሓለፈ ለካቲት ዝጸደቐ እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ድሕሪ ካብ ፖሊስ ዝቐረበ መመልከቲ፡ ጥርጡራት ገበነኛታት ካብ ከም መረባ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ዕዳጋን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ክእግዱ ስልጣን ዝሃቦም ክህቦም እዩ። ሬድዮ ሽወደን ፒ 4 ዮተቦሪ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣባላት ገበነኛታት ጕጅለ ተባሂሎም ዝተለለዩ ሰለስተ ሰባት፡ ናብ ማእከላይ ክፋላት እታ ከተማ ንኸይኣትዉ ዝኽልክል ናይ ​​እገዳ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com