Tuesday , April 30 2024

ኖርወይ፡ ኣብ 2040 ካብ ብከላ ፕላስቲክ ናጻ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ። 

ዝሓለፈ ሰኑይ ኖርወይን ሩዋንዳን ብከላ ፕላስቲክ ንምውጋድ ልፍንታዊ ተበግሶ ምውሳደን ተፈሊጡ። ዕላማ ናይዚ ልፍንቲ ኣብ ዝቕጽል 18 ዓመታት ነዚ ሽግር ጨሪስካ ንምጥፋእ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

“ድሌት ዘለወን ሃገራት ብምጥርናፍ ውጽኢታዊ ከባብያዊ ውዕላት ኽፍጸም ብዝብል ንሕና ተበግሶ ወሲድና ኣሎና። እዚ እንድሕር ተግባራዊ ኮይኑ ኣብ 2040 ካብ ብከላ ፕላስቲክ ናጻ ዝኾነ ኣከባቢ ክንፈጥር ክንክእል ኢና” ክብል ሚኒስተር ክሊማን ኣከባቢን ኤስፐን ባርዝ ኣይደ፡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣተሓሳሲቡ። ዛጊት ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ካናዳ ፈረንሳን ደቡብ ኮርያን ናብዚ ተበግሶ ተጸቢረን ኣለዋ።

ዕላማ ናይዚ ተበግሶ፡ ብከላ ፕላስቲክ ብዝምልከት ሓድሽ ኣስገዳዲ ኣህጒራዊ ስምምዕ ንምፍጣር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዓለምለኸ ግብራዊ ስጒምቲ እንድሕሪ ዘይተወሲዱ፡ ሽግር ብከላ ፕላስቲክ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርታት ዓመታት ክውስኽ ይኽእል እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ኖርወይ ቱደይ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com