Tuesday , April 30 2024

ኖርወይ፡ ኣብ ቫርትላንድ ዝርከብ መስጊድ ን ምሕፋዝ ቊርኣን ካብ ኩዌት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተዋሂቡ።

ኣብ ኖርወይ ቫርትላንድ ዝርከብ መስጊድ፡ ንምሕፋዝ ቊርኣን ብዝብል ምኽንያት ካብ ኩዌይት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምርካቡ ጸብጻባት ጒባኤ እስላማዊ ፈደሬሽን ኣመልኪቶም። እዚ ኣልራሕማን ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ኩዌት ምስ ዝርከብ ኣኽዋን ኣል-ኢስላም ርክብ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ እዩ።

ብመሰረት ኣብ ጋዜጣ ቫርት ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻባት፡ እቲ ማሕበር ኣብ 2021 ልዕሊ 100,000 ክሮና ኖርወይ ተቐቢሉ’ሎ።

ኣኽዋን ኣል-ኢስላም፡ ኣብ 1920ታት ኣብ ምስሪ ዝተመስረተ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርከባ ሃገራት ጨናፍር ከም ዘለዎ ዝፍለጥ እዩ። እዚ እስላማዊ ፈደሬሽን፡ ኣብ ኦስሎ ንዝርከብ መስጊድ ራቢጣ ዘመሓድር እዩ። እዚ ሓገዝ ንምሕፋ ቊርኣን ክውዕል ምዃኑ ኣመሓዳሪ እዚ መስጊድ ባሲም ጎዝላን ንጋዜጣ ቫርትላንድ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com