Tuesday , April 30 2024
AP Photo/Mark Baker) XMB104

ኣገልግሎት ምኽሪ ምቚጣብ ጸዓት ዝህቡ ክኢላታት ብጠለብ ዓቕሎም ይጸቦም።

ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ እናወሰኸ ምምጽኡ ብዘስዓቦ ሻቕሎት፡ ናብቶም ፍሉይ ናጻ ኣገልግሎት ምኽሪ ምቚጣብ ጸዓት ህህቡ ክኢላታት
ቆንስላት ውሽጢ ሃገር ዝግበር ጠለብ ከም ዝወሰኾ ተገሊጹ።
ከምዚ ዝመሰል ብዝሒ ጠለብ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ኣብ ቆንስል ከተማ ማልም ኣማኻሪት ክሊማን ጸዓትን ፓውላ ብዮርክ
ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ሓቢራ’ላ።
"ጠገለ ዘይብሉ እዩ፡ ሓንቲ ተቐቢልካ ምስ ወዳእካ ንእለቱ ካልእ ይስዕብ ኣሎ፡ ዕረፍቲ ዝበሃል የለን። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት
እዮም ጻውዒት ዝገብሩ ዘለዉ፡ ምኽንያቱ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ሻቕላ ፈጢርሎም ኣሎ” ክትብል ፓውላ ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com