Tuesday , May 21 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10080

ሓሙሽተ ሰልፊታት ባይቶ፡ ሽወደን ንበጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ።

ካብተን ሸሞንተ ሰልፊታት ባይቶ እተን ሓሙሽተ፡ ሽወደን ኣብነት ፊንላንድ ብምስዓብ ንበጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ TV4 ዘካየዶ
ዳህሳስ ኣመልኪቱ።
እንተኾነ ግና፡ ብዕቤቶም ኣብ ቀዳማይን ሳልሳይን ዝስርዓ ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ሞደራትናን ነዚ ሓሳባት ተቓዊሞሞ
ኣለዉ። ሰልፊታት ሊበራል፡ ሓምላይ ከምኡውን ጸጋማይ ብወገኖም ሽወደን ን በጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ ዝብል ሓሳብ
ዝሰማምዕሉ እኳ እንተኾኑ፡ ንመንግቲ ሩስያ ዝቃወሙን ነታ ሃገር ክገድፉ ዝደልዩን ባእታታት ኲነታት ክመቻችኣሎም ከም ዝግባእ
ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com