Tuesday , April 30 2024
(AP Photo/Sergei Grits) RUS115

ኲናት ዩክሬይን ሻዱሻይ ወርሑ ሒዙ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ኣስታት 44 000 ዜጋታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዕቚባ ምሕታቶም ወይ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ከም እተፈቕደሎም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ እተኸስተ ወራር፡ ዜጋታት ዩክሬይን ኣብ ሃገራት ሸንገን ዕቚባ ክረኽቡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ሓለዋ መምርሒ ምትሕልላፉ ዝዝከር እዩ።

ኣልዮናን ጓላን ኣብ ወርሓ መጋቢት እየን ንሽወደን ኣትየን። ክሳብ ሕጂ ስራሕ ኣብ ምርካብ ተሸጊራ ምህላዋ እንተኾነ ግና ጓላ ቤት ትምህርቲ ምእታዋ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።

“ኣብ ዩክሬይን እናሃለኹ ነርስ እይ ኔረ። ኣብ ሽወደን ቋንቋ ምምላኽ ሓደ ወሳኒ ረቛሒ ሽቕለት ስለዝኾነ ብሞያይ ስራሕ ክረኽብ ኣይከኣልኲን” ክብል ኣልዮና ነታ ሬድዮ ተዛሪባ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com