Monday , May 13 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን

ዓሚ ኣብ ወርሒ ለካቲት ሩስያ ን ዩክሬይን ካብ እትወርር ንደሓር ኣብ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን እናዓበየ ምምጽኡ ተገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ቋንቋ ከጽንዕዎ ናይ ዝደልዩ ተመሃሮ ብዝሒ እናወሰኽ ምምጽኡ ተመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ኣየት ጥራይ 408 ጀመርቲ ተመሃሮ ቋንቋ ዩክሬይን ከም እተመዝገቡ፡ ኣብ ዮተበሪ ገዲም መምህር ቋንቋታት “ስላቭ” ቶማስ ሮዘን ገሊጹ’ሎ። ተመሃራይ ዳኒኤል ጆነን ብወገኑ እዚ ኲናት ወራር ሩስያ …

Read More »

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን ይዳለዉ።

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ኣባል ኔቶ ብምዃኖም ብዛዕባዝረኽብዎ ረብሓን ሽወደን ኣብ ውጥን ኔቶ ክትጻወቶ ትጽቢት ዝግበረላ ተራን ኣመልኪቶም ንብርክት ዝበላ ኣዋርሕ ክሰርሑ ምጽንሖም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ን ሰራዊት ምክልኻል ሽወደን ሓዊስካ ብዙሓት ሰብመዚ ብ ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ከም ዝጽለዉ ዝፍለጥ እዩ። “ተራ ሰባት ኣጸቢቖም ዘስተውዕልዎ ነገር እንተሎ ኣብ ሽወደን ስልጠና ዝወስዱ ሰራዊት ወጻኢ ብቚጽሪ ክብ ክብሉ ምዃኖም እዩ,” ክብል ሜጀር …

Read More »

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ’ያ።

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ እያ ክብል፡ ን ለበዳ ኮሮና ዝከታተል ጒጅለ ዝሓለፈ ሓሙስ ገሊጹ። በዚ ድማ፡ ካብ ቻይና ዝመጹ ሰባት ቅድሚ 48 ሰዓታት ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወረቐት ምስክር ከቕርቡ፡ ከምኡ’ውን ኣባላት በረራን ተጓዓዝቲን “ማስክ” ክወድዩ ክግደዱ እዮም። ሚኒስተር ጒዳያት ስድራቤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክሪስታ ኪሩ፡ ብ ዓርቢ ን YLE ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ቊጽጽር ሓድሽ …

Read More »

ድሕሪ “ብረግዚት” 2,800 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ዝወጹ ተጌሮም።

ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጽኣ፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ድላዮም እናተንቀሳቐሱ ናይ ምስራሕ መሰሎም ይግደብ ምህላዉ ተገሊጹ። ካብ ዓመታት 2020 ክሳብ እዛ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2022 ከኣ 2250 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ክወጹ ከም እተገብረ ብ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውሮጳዊ ሕብረት “ዩሮስታት” ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።

Read More »

ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ

ምስ ምእታው ዓመተ 2023፡ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ ምህላዉ ተገሊጹ። ብምኽንያት ብከላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም መጠን ዋዒ ይውስኽ ምህላዉ፡ ኣብ መላእ ዓመተ 2023 ከኣ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ክረአ ከም ዝኽእልን ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቶም ፈተውቲ ምንሽርታት በረድ ዘዘውትርዎም እምባታት ኣልፕስ ከምኡ’ውን ፒረነስ ዝነበረ ውርጪ መኺኹ፡ መጠን ሙቐት ክሳብ 20ºC ይበጽሕ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ሃገራት …

Read More »

ኖርወይ፡ ዝለዓለ መጠን ዓሎቕ ተሌፎን ይኽሰት።

ኖርዌጃውያን፡ ምስ ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ዝለዓለ መጠን ዓሎቕ ተሌፎን ከም ዘጋጥሞም፡ ካብ “ቴላ” ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብ 2022፡ ክሳብ 77 ሚልዮን ናይ ዓሎቕ ናይ ተሌፎን መጸዋዕታ ከም ዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ምስ ናይ 2021–ማለት ትሕቲ 37 ሚልዮን እንክወዳደር ብልዕሊ ዕጽፊ ምዝያዱ “ቴላ” ኣመልኪቱ’ሎ። ኖርዌጃውያን ብተዛማዲ ዝሓሸ ፋይናንሳዊ ኲነታት ዘሎዎም ህዝቢ ምዃኖም ብሓደ ወገን፡ ብባህሪ ኸኣ ንሰብ ኣመንቲ ብምዃኖም ሸቶ …

Read More »

ናብ ሕክምና ዓይኒ ዝበጽሑ ቆልዑ ብቚጽሪ እናወሰኹ ይመጹ።

ብምኽንያት ጸገም ዓይኒ፡ ናብ ሕክምና ዓይኒ ዝበጽሑ ቆልዑ ብቚጽሪ እናወሰኹ ይመጹ ምህላዎም ተፈሊጡ። ዕድሜኦም ካብ 8-15 ዝኾኑ ኣስታት 25-30% ቆልዑ ሽወደን፡ ሌንስ ዘለዎ መረጼን ክወድዩ ብሓካይም ይእዘዘሎም ምህላዉ፡ ኣብ ትካል ካሮሊንስካ መምህርን ክኢላ ሕክምና ዓይኒን ሩን ብራውታሴት ገሊጹ። ቆልዑ ኣብ ክንዲ ኣብ ግዳም ዝጻወቱ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት “ብኦንላይን” ማሕበራዊ ጒዳዮም የካይዱ ምህላዎም ጠንቂ እዚ ሕማም ምኻኑ ብራውታሴት ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ብሰንኪ ብርቱዕ ውርጪን ንፋስን ባቡራት ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ን 24 ሰዓታት ስርሐን ደው ከብላ እየን።

ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ሽወደን፡ ብርቱዕ ውርጪን ንፋስን ክህሉ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ተገሊጹ። እዚ ካብ ቀላይ ቫኔርን ቫተርን ጀሚርካ፡ ክሳብ ባልቲ ንዘሎ ሰፊሕ ከባቢ ዝሽፍን እዩ ተባሂሉ’ሎ። በዚ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽላ 24 ሰዓታት ኣብ ኡስተርጉትላንድ፡ ኡረቦ፡ ካልማር፡ ቫስትራ ጉትላንድን ምምሕዳር ሾንኮፒን ዝርከባ ናይ ባቡር መስመራት ደው ክብላ እየን። ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክስርሑ ለበዋ ቀሪብሎም ኣሎ። …

Read More »

ብምኽንያት ሕማም “ሳልሞኔላ” 165 ሽሕ እንቋቚሖ ዘውድቓ ደርሁ ክሕረዳ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ኣዚዙ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2022፡ ኣብ ሕርሻ ስማላንድ ሕማም “ሳልሞኔላ” ብምኽሳቱ፡ 165 ሽሕ እንቋቚሖ ዘውድቓ ደርሁ ክሕረዳ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ኣዚዙ። እዚ ሕርሻ ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከባ ዝዓበያ መፍረይቲ እንቋቚሖ ኮይኑ፡ ሕጂ ክዕጾ ተጌሩ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ሽወደን ከም ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዙሕ ክትዓዪ “ልዑል ትጽቢት” ምህላዉ ተገሊጹ።

ሽወደን ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ኮይና ኣብ እትመርሓሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፖለቲከኛታትን ሲቪላዊ ሰራሕተኛታትን ሽወደን ኣብ ብራስለስ–ላክሰምበርግ–ልዕሊ 2000 ኣኼባታት ክጽውዑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።   ድሕነት፡ ተወዳዳርነት፡ ጸዓት፡ ዴሞክራስያዊ ክብርትታን ግዝኣተ ሕጊን ቀዳነምነታት ናይዞም ኣብ ኣውሮጳ ዝካየዱ ኣኼባታት ከም ዝኸውን መንግስቲ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። ሽወደን ኣብዚ እዋን ፕረሲደንትነታ ብዙሕ ክትዓዪ እያ ዝብል “ልዑል ትጽቢት” ምህላዉ፡ ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሪፖርተር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com