Sunday , April 28 2024

ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ

ምስ ምእታው ዓመተ 2023፡ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ ምህላዉ ተገሊጹ። ብምኽንያት ብከላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም መጠን ዋዒ ይውስኽ ምህላዉ፡ ኣብ መላእ ዓመተ 2023 ከኣ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ክረአ ከም ዝኽእልን ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቶም ፈተውቲ ምንሽርታት በረድ ዘዘውትርዎም እምባታት ኣልፕስ ከምኡ’ውን ፒረነስ ዝነበረ ውርጪ መኺኹ፡ መጠን ሙቐት ክሳብ 20ºC ይበጽሕ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ምስዚ ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምውሳኽ ሙቐት ይርእያ ምህላወን፡ “ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም” ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com