Saturday , May 11 2024

ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን

ዓሚ ኣብ ወርሒ ለካቲት ሩስያ ን ዩክሬይን ካብ እትወርር ንደሓር ኣብ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን እናዓበየ ምምጽኡ ተገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ቋንቋ ከጽንዕዎ ናይ ዝደልዩ ተመሃሮ ብዝሒ እናወሰኽ ምምጽኡ ተመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ኣየት ጥራይ 408 ጀመርቲ ተመሃሮ ቋንቋ ዩክሬይን ከም እተመዝገቡ፡ ኣብ ዮተበሪ ገዲም መምህር ቋንቋታት “ስላቭ” ቶማስ ሮዘን ገሊጹ’ሎ። ተመሃራይ ዳኒኤል ጆነን ብወገኑ እዚ ኲናት ወራር ሩስያ ኣብ ቋንቋን ባህልን ዩክሬይን ዝጸንሐ ተገዳስነት ክዓቢ ጌሩ ምህላዉ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com